ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃለዋት ንምንስቴር ዜና ኤርትራ ዝተቆፃፀሩ ወትሃደራት


ERITREA
ERITREA
21 ጥሪ 2013 ዓም ኣብ ምንስትር ዜና ኤርትራ ኣትዮም ንህንፃ‘ቲ ቤት ፅሕፈት ዝተቆፃፀሩ ኣባላት ሰራዊት፣ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ኣብ ደንጎሎ ዝተባሃለ ስፍራ ተኣሲሮም ከምዘለው ተገሊፁ።

ብርጋዴር ጀነራል ተከስተ ሃይለ ንቪኦኤ ካብ ስዊድን ከምዝገለፆ፣ኣብ ማእሰርቲ ክልተ ሰባት ተሰዊኦም‘ለው።ንድሕነት ናይ ስድራ-ቤቶም በዚ ሬድዮ ኣቢለ ከረድእ ስለዘይደሊ ንጊዚኡ ገዲፈዮ‘ለኹ ይብል።

ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ኣብ መላእ ኤርትራ፣ኣኼባታት እናተካየደ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰርኩላር ዝርርብ ይግበር ከምዘሎን፣ዕላምኡ ድማ ንድምፂ ተቃውሞ ሰራዊት ንምግምጋምን ኣለሊኻ ንምእሳሮምን ምኻኑ ጠቂሱ።

ቃለ-ምልልስ ምስ ብ/ጀ ተከስተ ሃይለ
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:14 0:00
መራገፊ

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣21 ጥሪ 2013 ኣብ ምንስቴር ዜና ኤርትራ ዝተፈጥረ ነገር፣ዘሻቅል ኣይኮነን፣መንግስቲ ስቅታ ዝመረፀሉ ምኽንያት ድማ ’ደረስቲ ሓሶት’ ባይታ ንከይረኽቡ ኢሉ ምኻኑ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ገሊፆም።

ንኢሪና መግለፂ ዝሃቡ እቶም ፕረዚደንት፣ኣብ ወፃኢን ውሽጥን ዘለው ኤርትራውያን፣ሓበሬታ ክሓቱ ባህርያዊ‘ዩ።መንቀሊኡ ድማ ሃገራዊ ተገዳስነት ዘጉልህ‘ዩ ኢሎም።

መንግስቲ ኤርትራ መግለፂ ካብ ምውፃእ ዝተቆጠበ፣ካብ ባህሉ ወፃኢ‘ኳ እንተዘይተባሃለ ’ንዝኸሰሩ ባእታታት’ ባይታ ንዘይምሃብ‘ዩ ኢሎም እቶም ፕረዚደንት።

መንግስቶም ኣብ ጊዚኡ፣ሙሉእ ሓበሬታን መግለፂን ከምዝህበሉ‘ውን ኣፍሊጦም።
XS
SM
MD
LG