ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ናይ 200 ሚሊዮን ዩሮ ናይ ምትሕግጋዝ ውዕል ተፈራሪሞም


መንግስቲ ኤርትራን ሕብረት ኣውሮጳን ነዚ ናይ 200 ሚሊዮን ዩሮ ናይ ምትሕግጋዝ ውዕል ትማሊ ሓሙስ ኣብ ከተማ ኣስመራ’ዮም ተፈራሪሞም።

ካብቲ ገንዘብ 175 ሚሊዮን ንዓውዲ ጸዓት፣20 ሚሊዮን ዩሮ ንህንጸት እቲ ዝተረፈ ሓሙሽተ ሚሊዮን ድማ ንቴክኒካዊ መዳያት ከምዝውዕል መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ኤርትራ ጸብጺበን ኣለዋ።

እዚ ናይ ሓገዝ ስምምዕ ኣካል’ቲ መበል 11 ፕሮግራም ፈንድ ልምዓት ኣውሮጳ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ነቲ ስምምዕ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ሚኒስትር ሃገራዊ ልምዓት ዶክተር ገርጊስ ተኽለሚካኤል፣ብወገን ሕብረት ኣውሮጳ ድማ ኣብ ኤርትራ ናይቲ ውድብ ኣምባሳደር ሚስተር ክሪስትያን ማናህል ፈሪሞም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG