ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ጉዳይ ቀጠርን ሃገራት ጋልፍን ዝተፈጥረ ምስሕሓብ


 ቀጠር
ቀጠር

ኣብ መንጎ ቀጠርን ሃገራት ጋልፍን ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ከምትድግፍ ኢትዮጵያ ኣፍሊጣ።

ሎሚ ምስ ሓጋዚ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ሱልጣን ቢን ስዒድ አልማኡርኪ ዝተዘራረቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉዳይ ገለልተኛ መርገጺ’ዩ ዘለዋ ኢሎም።

ብካልእ ወገን መንግስቲ ኤርትራ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሃገራት ጋልፍ ኣብ ልዕሊ ቀጠር ዝወሰደኦ ስጉምቲ ኣብቲ ዞባ ሰላም ንጸጥታን ንምኽባር ካብ ዝወሰዱ ብዙሕ መንገድታት ሓደ’ዩ ክብል ኣፍሊጡ።

ሓጋዚ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ቀጠር ሱልጣን ቢን ስዒድ አልማኡርኪ ሎሚ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ አዲስ አበባ ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም’ለው።

እቶም በዓል ስልጣን ቀጠር ኢትዮጵያ አብ መንጎ ሃገራት ጋልፍ ንዝተፈጥረ ቅልውላው ብዝምልከት ንቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ከምዘብርህዎ መሓውራት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢረን ኣለዋ።ኢትዮጵያ ኣብ ጎኑ ቀጠር ክትከውን ከምዝሓተቱ’ውን ተጠቂሱ’ሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ ሃገሮም እቲ ምስሕሓብ ብሰላም ክፍታሕ ከምትደልይ ገሊጾም ዝተፈጥረ ፍልልያት ብዝምልከት ኢትዮጵያ ገለልተኛ መርገጺ ከምዘለዋ ምግላጾም ጸብጻባት ይሕብሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ ኸሎ መንግስት ኤርትራ ነዚ ኣብ መንጎ ሃገራት ጋልፍ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ዝምልከት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሃገራት ጋልፍ ኣብ ልዕሊ ቀጠር ዝወሰደኦ ስጉምቲ ሰላምን ጸጥታ’ቲ ከባቢ ንምኽባር ካብ ዝውሰድ ሓደ መንገዲ’ዩ ክብል ኣፍሊጡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG