ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብምኽንያት ፋሲካ ዕዳጋ ከመይ ውዓለ !


mekelle market
mekelle market

ኣብ ኣስመራ ከባቢ ማይተመናይ ኣብ ዝነበረ ዕዳጋ ጠለ-በጊዕን ከብትን፡ ማእከላይ ዋጋ በጊዕ 800 ናቕፋ፡ ዋጋ ከብቲ ድማ ካብ 3 ሺሕ ካሳብ 8 ሺሕ ከምዝበጽሓ ወኪል ቪኦኤ ዘዘራረቦም ሸማቶን ነጋዶን ሓቢሮም።

ዋጋ ደርሆ ካብ 130-230 ክኸውን ከሎ፡ ዋጋ ኣንቋቁሖ ድማ ካብ 3.50 ክሳብ 5 ናቕፋ ይሽየጥ ኔሩ ይብሉ። ናይ ነገር ዕዳጋ ግን ጽባሕ ቀዳም- ድሮ ፋሲካ ክቀያየር ከምዝኽእል ይግለጽ።

ኣብ ከተማ መቐለ ዋጋ ዕዳጋ ብዝበለፀ ፅባሕ እኳ ዝፍለጥ እንተዀነ ብፍላይ ዋጋ ደርሁ፣ ጤለበጊዕን ኣብዑርን ግን ካብቲ ዝነበረ እንትርፊ ክውስኽ ክንክይ ኣይከኣለን ይብሉ ወሃብቲ ርእይቶ።

ኰይኑ ግና ህዝቢ ዓቕሙ መሰረት ገይሩ በዓለ ፋሲካ ምስ ስድርኡ ኣኽቢሩ ክውዕል ኣብ ደፋእፋእ ከምዝቐነየ ምርዳእ ይከኣል ይብል ግርማይ ገብሩ ኣብ ፀብፃቡ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ዋጋ በጊዕ ካብ 2ተ ክሳብ 4ተ ሺሕ ብር ምዃኑ ወኪል ቪኦኤ ካብ`ቲ ቦታ ልኢኹ፡ ካብ ዝሓለፈ በዓል ልደት ግን ይሓይሽ ይብሉ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብምኽንያት ፋሲካ ዕዳጋ ከመይ ውዓለ !
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:55 0:00

XS
SM
MD
LG