ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባሳደር ኤርትራ ፡ ርኢቶ ቀዳማይ ምንስተር መለስ ‘ተኹታኽን ዘይሓላፍነታውን’ ብምባል ናብ ባይቶ ጸጥታ ናይ ተቓውሞ ደብዳበ ኣቕሪቦም


ተንተንቲ፡ ኣቶ መለስ ወተሃደራዊ ስግረ-ዶብ መጥቃዕቲ ክወስዱ ይኽእሉ`ዮም ዝብል ነገር የጠራጥሮም

ኣብ ሕቡራት ሃገራት ናይ ኤርትራ ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ትማሊ ናብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ምንስተር መለስ ዜናዊ ንመንግስቲ ኤርትራ ኻብ ስልጣን ንምውጋድ ዲፕሎማሲያዊን ወተሃደራዊን ኣማራጽታት ክንወስድ ኢና ንዝበልሉ መግለጺ፡ ተኹታኹን ዘይሓላፍነታዊን`ዩ ክብሉ ነቒፎሞ።

ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ብተወስኺ ባድመን ኻልኦት ኣብ ዶብ ክሊቲአን ሃገራት ንዝተሓንጸጻን ልዑላዊ ግዝኣታት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ምሓዛ ቐጺላ`ላ ድሕሪ ምባል፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኣልጀርስ ንዝተኸተመ ስምምዕ ንዝሓለፉ 10 ዓመታት ጥሒሳቶ ትርከብ ኣላ ኽብሉ ጠቒሶም።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቶ መለስ ንሓደ መደበር ሬድዮ ነቲ ርእቶኦም ምሃቦም ይፍለጥ።

ተንተንቲ ግና፡ ኣቶ መለስ ወተሃደራዊ ስግረ-ዶብ መጥቃዕቲ ክወስዱ ይኽእሉ`ዮም ዝብል ነገር የጠራጥሮም።

XS
SM
MD
LG