ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'2 ኤርትራዊያን ፓይለታት ንነፋሪት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ሒዞም ናብ ኢትዮጵያ ሰሊሞም' ይብሉ ምንጭታት


Map of Eritrea
Map of Eritrea

ንንብረት መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነት ሚግ 29 ቁጽሪ ክንፊ 102 ZLIN 143 ነፋሪት ዝሓዙ ክልተ ኤርትራዊያን ፓይለታት፣ ትማሊ ንጉሆ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝሰለሙ ምንጭታት ጸጥታን ደህንነትን ኢትዮጵያ ሓቢሮም።

ብመሰረት እቶም ምንጭታት ‘እታ ካብ ራዳር ተኸዊላ ናይ ምብራር ተኽእሎ ዘለዋ ነፋሪት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፣ ትማሊ ንጉሆ ካብ ኣስመራ ተበጊሳ ናብ ምዕራብ ኤርትራ ድሕሪ ምቅናዓ፣ ብሰሜናዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ናብ ሰማይ ሑመራ ከምዝኣተወት’ ተፈሊጡ’ሎ።

ካብኡ እታ ነፋሪት ኤርትራ ብነፈርቲ ውግእ ኢትዮጵያ ተዓጂባ ናብ መቀለ መዕርፎ ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ክትዓልብ ከምዝተገብረ’ውን እቶም ምንጭታትና ገሊጾም ኣለው።

ሰበ ስልጣን ኤርትራ፣ ብዛዕባ እታ ናብ ኢትዮጵያ ኣትያ ዝተባሃለት ነፋሪት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ዝሃብዎ ሓበሬታ የለን። ሚኒስትር ዜና ኣቶ የማነ ገብረ መስቀል፣ ንቢቢሲ እቲ ሓበሬታ ‘ጓሓፍ’ ኢሎም ከምዝገለጽዎ ተፈሊጡ’ሎ

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፣ ኣብራሪ’ታ ነፋሪት ስለላ ሚእቲ ሓለቃ መብራህቱ ተስፋማርያምን፣ ምስኡ ዝነበረ ፓይለት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኣፈወርቂ ጸሃዬን ኣብ ዘይንጹር ስፍራ ኣብ ደሓን ኩነታት ከምዝርከቡ’ውን እቲ ዜና ይሕብር።

XS
SM
MD
LG