ኤርትራ ኣብ ግጭት ክልል ትግራይ ምስታፋ ንመጀምሪያ ግዜ ብወግዒ ብምእማን ወታሃደራታ ካብ ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ንምውፃእ ከም እትጅምር ምስምምዓ ኣፍሊጣ ኣላ።መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ዘፍለጠ ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ እዩ።
ኤርትራ ኣብቲ ግጭት ምስታፋ ንመጀምሪያ ግዜ ብወግዒ ብምእማን ወታደራታ ካብ ትግራይ ንምውፃእ ከም እትጅምር ምስምምዓ ኣፍሊጣ።እናወሰኸ ብዝኸደ ዓለምለኸ ፀቕጢ ኤርትራ ወታደራታ ከም እተውፅእ ን15 ኣባል ሃገራት ንዝሓቖፈ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ዓርቢ ደብዳበ ብምፅሓፍ እያ ነዚ ዘፍለጠት።እቲ ደብዳበ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምንስትሪ ሓበሬታ ኤርትራ እውን ወፂኡ ኣሎ።
‘’ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓይልታት ኤርትራ ንምውፃእን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ ወታደራት ኤርትራ ኣብ ዓለምለኸ ዶብ ዳግም ንምውፋርን ብዝለዓለ ደረጃ ተሰማሚዐን ኣለዋ’’ ኢለን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ኤርትራ ሶፊያ ተስፋማሪያም ኣብ ዝፀሓፍኦ ደብዳበ።
ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ሕዳር ብዝጀመረ ግጭት ኣንፃር ገዛኢ ፓርቲ ትግራይ ምስ ዝነበረ ህወሓት ንዝዋግኡ ወታደራት ኢትዮጵያ ኣብ ሕጋዝ ይርከብ።ክሳብ ዓርቢ ግን ኤርትራ ሓይልታታ ኣብ ትግራይ ምእታዎም ብተደጋጋሚ ኣሉ ክትብል ፀኒሓ እያ።
ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ወታደራቶም ንመራሕቲ ህወሓት ክሕዙ ናብ ትግራይ ክኣትው ኣዚዞም።
መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብነበርቲ እቲ ከባቢ፣ብዲፕሎማሰኛታትን ገለ ስቪላውን ወታደራውን ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ንዝብሉዎም ብምፅራር ተሳትፎ ወታደራት ኤርትራ ብዝምልከት ንኣዋርሕ ክኽሕዱ ፀኒሖም እዮም።
ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣብ መጋቢት ሓይልታት ኤርትራ ኣብቲ ክልል ምህላዎም ብምግላፅ ኣብ ቀረባ ክወፁ እዮም ክብሉ ቃል ኣትዮም።እንተኾነ ግን ናይ ሕቡራት መንግስታት ሓላፊ ሰብኣዊ ረድኤት ማርክ ሎውኮክ ወታደራት ኤርትራ ይወፁ ምህላዎም ዋላ ሓደ መርትዖ የለን ክብሉ ዝሓለፈ ሓሙስ ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ገሊፆምሎም።
ኣብዚ ግጭት ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም፣ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ብፆታዊ ዓመፅ ተደፊረንን ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ህዝቢ ድማ ተመዛቢሉን እዩ።
ብሰንኪ ብርክት ዝበሉ ምኽኒያታት ማለት እውን ኣብ ትግራይ ዝተኸሰተ ህውከት፣ ድርቂ፣ኣብ ወለዶ ብዘጋጥም ኣዚዩ ከቢድ ዕስለ ኣንበጣን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብሰንኪ ዘስዓቦ ማሕበራውን ቁጠባውን ተፅዕኖ ኣብዚ ዓመት ኣብ ኢትዮጵያ 23.5 ሚሊዮን ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም ሕቡራት መንግስታት ይግምት።