ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

7ይ ውድድር ብሽክለታ ሻምፒዮና ኣፍሪቃ 2011 ተዛዚሙ


ብኣሸሓት ዝቁጸር ደጋፊ ስፖርት ብውዕዉዕ ስፖርታዊ መንፈስ ደገፉን ታሕጓሱን ክገልጽ ቐኒዩ...

ኣብ`ቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣፍሪቃ 2011፡ 15 ሃገራት`የን ተሳቲፈን። ኣብ`ቲ 146 ኪ.ሜ ዝሸፈነ ናይ መዛዘሚ ውድድር፡ 8ተ ኣባላት ዘሳተፈት ጋንታ ኤርትራ፡ ካብ ሓያላት ተቐዳደምቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሞሮኮን ኣልጀርያን፡ ረፍዲ ዘይህብ መጥቃዕታት እንተወረዳ`ኳ፡ ጽቡቕ ውህደት ዘለዎ ናይ ጋንታ ጸወታ ዘርኣየትሉ ብምንባሩ፡ ናትናኤል ብርሃነን ተስፋይ ኣብርሃን ቀዳማይን ካልኣይን ብምዃን ተዓዊቶም። ሳልሳይ ድማ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ተዓዊቱ`ሎ።

ብውድድር ደቀንስትዮ ዝተዓወታ፡ ደቂ ደቡብ ኣፍሪቃየን።

ኤርትራ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ርዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር`ውን ምዕዋታ ይፍለጥ

ንምሉእ ጸብጻብ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG