ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ንክሲ ኤርትራ ኣሉታዊ ምላሽ ሂባትሉ


ምባሳደር ኢትዮጵያ ተቀዳ ኣለሙ
ምባሳደር ኢትዮጵያ ተቀዳ ኣለሙ

መንግስቲ ኤርትራ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕለይ ምሉእ ኲናት ክትፍኑ ትዳሎ ኣላ ክትብል ትማሊ ኣብዝወዓለ ኣኼባ ናይ ሕቡራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ኸሲሳ።ኢትዮጵያ ግን ነቲ ኽሲ ነፂጋቶ’ላ።

ወታደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ቀረባ ኣብ ግንባር ፀሮና ኣብ ዘካየድዎ ግጭት ነቲ ተፃብኦ መን ጀመረ ክልቲአን ሃገራት ነንሕድ ሕደን ይካሰሳ ኣለዋ።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ኤርትራ ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ኢትዮጵያ ተፃባኢ ፖሊሲ ትኽተል ከምዘላ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ፓርላምኦም ከይተረፈ ንኤርትራ ከምዘጥቕዑ፣ወታደራዊ ስጉምቲ ከምዝወስዱ፣ንመንግስቲ ከምዘወግዱ መግለፅታት ምሃቦም ንፁር መርትዖ እዩ ኢሎም።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ተቀዳ ኣለሙ ትርጉምን ዋጋን ዘይብሉ ክብሉ ንኽሲ ኤርትራ ነፂጎምዎ።ንሶም ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል እቶም ኽስታት መልሲ ዘየድልዮም እዮም ክብሉ ብግላፅ መንግስቲ ኤርትራ ብዝበለፀ ከገድሶ ዘለዎ ናይ ሕቡራት መንግስታት ሻቐሎት ሰብኣዊ መሰላት እዩ ኢሎም።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣፃራይ ኮሚሽን ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ንባርነት ምቅላዕ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ገበናት ብምፍፃም እቲ ጉዳይ ናብ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ክውሰድ ኣለዎ ክብል ሓሳብ ኣቕሪቡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG