ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 32 ዓመተ ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ተዘኪሩ ውዒሉ


ሎሚ 24 ግንቦት፡ መበል 32 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢ ተዘኪሩ ውዒሉ። መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ በበይኑ ኤርትራውያን ማሕበረኮማት ዝርከቡወን ከተማታት ፡ ብዝተፈላለየ ባህላዊን ካልእ ንዝኽሪ እቲ ዕለት ዝገልጽ ስራሓትን ክካየድ ዝቐነየ ኰይኑ፡ ወግዓዊ ጽንብል ድማ ሎሚ ኣብ ስታድዮም ኣስመራ ኣብ ዝተዳለወ ስነ-ስርዓት ተኻዪዱ።

ኣብቲ ዲፕሎማት፡ ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ “ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ናይ ቃልሲ ናጽነት ዓወታትን ዝደሓረ መኸተን ዝያዳ ኣብ ዝተዀልዓሉ’ዩ ይብዓል ኣሎ፡” ኢሉ። ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መደረኡ፡ ብምምሕዳር ኣመሪካ ንኤርትራን ካልኦት ሃገራትን ዝግበር፡ ንወለዶታት ዝቐጸለ ተጻብኦታት ኢሉ ዝጸውዖ ጸቒጡ ዝተዛረቦ “ጃንዳታት ዋሺንግተን ኣንጻር ሓርነትን ናጽነትናን ክጥቀሙሉ ዝጸንሑ ሽጣራ ምስ ኢትዮጵያ ኣናቚትካ ምንባር’ዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ሳላ ውሁድ ምትሕብባር መኪትናዮ ኣሎና፡” ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ እቲ ዝበሎ ተጻብኦታት ገና ቀጻሊ ብምዃኑ “ካልእ ብልሓተ መኸተ ዝሓትት’ዩ፡” ኢሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዚ ብምኽንያት ጽንብል መዓልቲ ናጽነት ዘስምዖ መደረ: ብቐንዱ ናብቲ “ጃንዳ ዋሽንግተን” ኢሉ ዝጸውዖ ምምሕዳር ኣመሪካ ዝቐንዐ ኰይኑ፡ ንፖሊሲታት ኣመሪካ ብመንጽር ዝምድናታትን ምትፍናን ምስ ሩስያን ቻይናን’ውን፡ ከምኡ’ውን ሕጂ ዝምዕብል ምስ ዘሎ ሚዛን ሓይሊ’ውን ዘርዚሩ።

ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ኤርትራ ንዞባዊ ጥምረት ዘቐድም ኣገባብ ሒዛ ክትቅጽል ምዃና ዘመልከተ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳይ ድማ “ኣብ በበይኑ ጽላታት ሰፊሕ ህዝባዊ ወፍሪ ንምግባር ተበግሶታት ከነሐይል ኢና፡” ኢሉ። ኣብቲ ክካይድ ተመዲቡ ዘሎ ወፍርታት ግን ዝርዝር ኣይሃበን። ብቐንዱ ኣብ ናይ ደገ ፖሊሲታት ብመንጽር ኤርትራ ጸቒጡ ዝተዛረበ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንዘቤታዊ ምዕባለታትን ዝተታሕዘ መደባትን እንተልዩ’ውን ብፍሉይ ኣየመልከተን።

ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት መበል 32 ዓመት ጽንብል ናጽነት ኤርትራ፡ ካብ ኩለን ዞባታት ኤርትራ "ዕማኽ ሓመድ ስውኣት" እናጸንበረት ዝመጸት ዘዋሪት ዋናጫ ኣብ ስታድየም ኣስመራ ጉዕዞኣ ድሕሪ ምዝዛም ንፕረሲደንት ኢሳይያስ ተረኪባ'ላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG