ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ካብ ደገ ተኾብዩ ንዝመጻና ደሞክራሲ ንኽነሳሲ ፍቓደኛታት ኣይኮናን`-ኣቶ ዓሊ ዓብዱ


ትርጉም ደሞክራሲ ንዓና፡ ንኹሉ ዘመዓራሪ ቁጠባውን ማሕበራውን ዕድላት ምርሓው ወይ ቁጠባውን ማሕበራውን ደሞክራሲ ምርግጋጽ`ዩ፡ በዚ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ድልዱል ፖሊቲካዊ መሰረት ኣንጺፉ`ሎ ክብል`ውን ገሊጹ

ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ንሕቶታት ደሞክራሲ ዝምልከት ምስ ቪኦኤ ቃለ-መጠይቕ ዝገበረ ምንስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ ዓሊ ዓብዱ፡ ህዝቢ ብዘይ ዓሌትን ቀቢላን ተሳንዩ ዝነብረሉ ባይታ-ምክብባር ምፍጣር፡ ብእኡ ኣቢልካ ድማ ፖለቲካዊ ርግኣት ምኹስኳስ፡ ኣምር ደሞክራሲ ኤርትራ`ዩ ኢሉ።

ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ድሕሪ 20 ዓመት ናጽነት፡ ኣብ መድመጺ ሳጹን ቀሪቡ ፖሊቲካዊ መራሕቱ ዝመርጸሉ መድረኽ ኣይረኸበን ተባሂሉ ይንቀፍ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ፡ “መድመጺ ሳጹን ኮይኑ ጸኒሑ ቅንይ ኢሉ ናይ ሬሳ ሳጹን ዝቕየር፡ ምስ ኽውንነትና ዘየሳኒ፡ ካብ ካልእ ተኾብዩ ዝግበር ተዋስኦታት፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ንርእዮ ስለዘለና፡ ብዝኾነ ኣደናጋሪ ስብከት ተታሊልና፡ ነቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘየለ ልዑል ሃገራዊ ስኒትን ሓድነትን ክንገድፍ ፍቓደኛታት ኣይኮናን” ኢሉ።

ስለምንታይ`ዩ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ዓይነት ናይ ውልቂ ጋዜጣታት ዘየለዋ? ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ ድማ፡ ኣብ ዝኾነ ዓለም ዘለዋ ሚድያታት`ውን ብመን ከምዝምወላን ንየናይ ዛዕባ ኸምዘገልግላን ሓደ ብሓደ እንተፈቲሽናየን ናጻ ኸምዘይኮና ንምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን ኢሉ። እኳ ድኣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሚድያ ብልጭኡ መንግስቲ ወይ ውልቂ ዝውንኖ ዘይኮነ ህዝቢ ዝዋንኡ ንምዕባለ ህዝቢ ዝሰርሕ ልምዓታዊ ሚድያ ኣለና ኢሉ።

XS
SM
MD
LG