ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ መዛዘሚ ጽንብል 20 ዓመት ናጽነት ሎሚ ሰሉስ ኣኽቢራ


ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክካየዱ ዝጸንሑ ሸርሕታት ካብ መሰረታዊ ጉዳይ ዶብ ከውጹኡና ኣይከኣሉን ኢሎም

ን10 መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ ጽንብል ናጽነት ኤርትራ፡ ሎሚ ኣሸሓት ነበርትን ካብ ደገ ዝመጹ ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ኣብ ስታድየም ኣስመራ ተኻይዱ። ኣተሓሒዞም፡ ኣመሪካ ነቲ ሕጋዊ መዕለቢ ዝተገብረሉ ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ረጊጻ ሒዛቶ`ላ ኢሎም።

“20 ዓመታት ዳርጋ እቲ ዝበዝሐ ክፋሉ ብሸርሕታት ዝተመልአ`ዩ ኔሩ” ዝበሉ ኣቶ ኢሳያስ፡ ጉዳይ ሶማል ከምቲ ዝደለይዎ ስለዘይከደሎም፡ መርኣያ ንዴቶም ንኤርትራ ግዳይ ማዕቀብ ናብ ምግባር ከይዶም ኢሎም።

ንምሉእ ጸብጻብ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG