ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ዳግማይ ናብ ኣባልነት ኢጋድ ተጸንቢራ


ኤርትራ ድሕሪ 16 ዓመታት ናብ ኢጋድ ዳግማይ ተጸንቢራ።

ሚንስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ፡ ኤርትራ ኣብ ኢጋድ ተሳታፍነታ ንምቕጻል ኣብቲ ኣብ ጅቡቲ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ መራሕቲ ኢጋድ መንበራ ሒዛ`ላ ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ ሃገሩ ንሰላም ርግኣትን ዞባዊ ውህደትን ከም ትሰርሕ`ውን ኣፍሊጡ።

ዋና ጸሓፊ ኢጋድ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ ብወገኑ ኤርትራ ናብ ስድራ ቤት ኢጋድ ምምላሳ ሓጎስ ይስምዓኒ ክብል ብወግዒ ኣፍሊጡ`ሎ።

ኤርትራ ምስ ኢጋድ ኣብ ዘይምስምማዕ ድሕሪ ምእታው ካብ 2007 ጀሚራ ርእሳ ኣግሊላ ምጽናሓ ይፍለጥ።

ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኣንጻር ህወሓት ዝተኻየደ ኲናት ንፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓጊዛ ወተሃደራት ብምእታዋን ሰብኣዊ-ግህሰት ፈጺማ ብዝብልን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊኣ ማዕቀብ ምግባራ ይፍለጥ።

ኢጋድ ሸውዓተ ሃገራት ዝሓቖፈ ደምበ ምብራቕ ኣፍሪቃ`ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG