ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፀብፃብ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝተኻየደ ናይ ኤርትራዊያን ሰላማዊ ሰልፊ


Eritrean demonstration in DC
Eritrean demonstration in DC

ካብ ዝተፈላለያ ክፈለ ግዝኣታት ዩናይትድ ስቴትስ ዝተኻኸቡ ኣማእቲ ኤርትራዊያንን ኤርትራዊያን ኣሜሪካዊያንን ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ብጹእ ቅዲስ ኣቡነ ኣንጠንዮስን ካልኦት ናይ እምነትን ፖለቲካን እሱራት ዝበሉዎም ክፍትሑ ብምሕታት ዝሓለፈ ዓርቢ 8 ሕዳር 2019 ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ኣለው።

"መቓውሐይ ዘክሩ!" ብዝብል መሪሕ ጥቕሲ፡ ብመንበረ ጵጵስና ኣህጉረ-ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ ዝተጸውዐ ሰልፊ ስለ እምነቶም ዝተኣስሩ ክርስቲያንን እስላምን፥ ሰበ- ሥልጣንን ሲቪል ጋዜጠኛታትን፡ ካልኦትን ብዘይ ቅድመ ኵነት ብህጹጽ ኽፍትሑ ንምፃዋዕ እዩ ይብሉ ኣተሓባበርቲ ናይቲ ሰልፊ።

ኣብ ቤተ መንግስቲ ዋይት ሃውስ ድምፆም ምስማዕ ዝጀመሩ እዞም ሰልፈኛታት ዝተፈላለዩ ጭርሖታት እናስምዑ ናብ ካፒቶል ሂል ብምኻድ መራሕቲ ኣብያተ ክርስቲያን መደረታት መደረታት ኣስሚዖም።

መልእኽታቶም ብፅሑፍ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ኤርትራን ኮንግረስ ዩናይትድ ስቴትስን ከምዘቕረቡ እውን ካብ ኣተሓባበርቲ ሓደ ዲያዎን ዕቑበ ዘመደ ገሊፆም።

ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ሪኢቶ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ምሉእ ትዝትኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG