ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚ/ጉ/ወ ኢትዮጵያ ምስ ናይ ቻይና መዘነኦም ኣብ ቤይጂንግ ተራኺቦም: ተዘራሪቦም


ሚንስተራት ጉዳያት ወጻኢ ቻይናን ኢትዮጵያን ኣብ በይጂንግ ተራኺቦም ብዛዕባ ሓባራዊ ምርድዳእን ምትሕብባርን ተዘራሪቦም።

ብመሰረት ሓበረታ ግሎባዊ መርበብ ተለቪጅን ቻይና (ሲጂቲኤን): ቻይናን ኢትዮጵያን ጽቡቕ ምትሕብባር ከም ዝጸንሐንን ስትራተጂያዊ ሽርክነተን ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ቅልጡፍ ምዕባለታት ከም ዘርኣየን ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ቂን ጋንግ ኣብቲ ምስ ኣቶ ደመቀ መኮነን ዝገበሮ ርክብ ኣፍሊጡ`ሎ።

ቂን ኣተሓሒዙ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውሕስነትን ድሕነትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሳ ትካላትን ሰራሕተኛታትን ቻይና ክረጋገጽ ዘለዎ ተስፋ`ውን ኣሰሚዑ`ሎ።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ብወገኑ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ዝጸንሐ ምሕዝነትን ሽርክነትን ንምሕያሉ ድልውቲ ምህላዋ ኣፍሊጡ`ሎ። ኣብ ምርግጋጽ ውሕስነትን ጸጥታን ትካላት ቻይና`ውን ተወሳኺ ጻዕርታት ከም ዝግበር ኣቶ ደመቀ ጠቒሱ`ሎ።

ኣፍሪቃ ንቻይና ኩልሻዕ ዲፕሎማቲክ ቀዳምነት`ያ ዝበለ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና፡ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓድነትን ሽርክነትን ምፍጣር እምኒ ኩርናዕ ፖሊሲ ወጻኢ ቻይና`ዩ ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG