ዋሽንግተን —
ኣብ መንጎ ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ሕዝቦላህን ሰራዊት እስራኤል ምቍራጽ ተጻብኦታት ድሕሪ ምግባሩ፡ ፕረዚደት ቱርኪየ ረጂብ ጠይብ ኤርዶዋን፡ ሃገሩ ንምቍራጽ ተጻብኦታት ቓዛ’ውን ክትሰርሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣብ ግጭት ማእከላይ ምብራቕ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛን ሊባኖስን እትገብሮ ዘላ መጥቃዕቲ ኣትሪራ እትቃወም ኣንካራ፡ ፕረዚንደት ኤርዶዋን ኣብ ቓዛ ይፍጸም ኣሎ ንዝበሎ ቅዝፈት ደው ንምባል ምምሕዳሩ ዝከኣሎ ክግበር ምዃኑ ሓቢሩ።
ቱርኪየ፡ ኣብ ሊባኖስ ዝግበር ምቍራጽ ተጻብኦ ንቓዛ እንተ ዘይሓዊሱ ውጽኢታዊ ኣይኰነን በሃሊት’ያ። ፕረዚደንት ጆ ባይደን’ውን ንቱርኪየ፡ ግብጺን ቐጣርን ኣብ ምቍራጽ ተጻብኦታት ቓዛ መሪሕ ተራ ክጻወታ ተስፋ ከም ዝገብር’ዩ ገሊጹ ዘሎ።
ቅጥዒ