ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ቱርኪየ ረጂብ ጠይብ ኤርዶዋን ዩክሬን ናይ ኣመሪካ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ሚሳይል ብምጥቃም ኣብ ሩስያ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ፍቓድ ምሃብ ነቲ ግጭት ዘዕርግ ከምዝኾነ ቤት ጽሕፈቶም ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ዩክሬን ንናይ ኣመሪካ ATACMS ዝተባህለ ናይ ርሕቀት ሚሳይል ብምጥቃም ኣብ ሩስያ ትማሊ ሰሉስ መጥቃዕቲ ፈጺማ'ያ።
ነዚ ስዒቡ ፕረዚደንት ፑቲን ብወገኖም ሃገሮም ኑክሌራዊ ኣጽዋር ንግብረ መልሲ መጥቃዕቲ ክትህብ ዝብል ዝተነብረ ደረጃ ገደብ ኣጉዲሎሞ ኣለዉ።
ድሕሪ ኣብ ብራዚል ክካየድ ዝቐነየ ዋዕላ ሃገራት ጉጅለ-20 ናብ ሃገሮም ዘቕንዑ ዝነበሩ ፕረዚደንት ኤርድዋን "ፕረ. ባይደን ነዚ ፍቓድ ምጥቃም ናይ ርሕቐት ኣጽዋር ምሃቦም ነቲ ኲናት ዘጋድድን ዘስፍሕን’ዩ፡" ኢሎም።
ኣባል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ዝኾነት ቱርኪየ ዩክሬን ግዝኣታዊ ሓድነታ ንምሕላው ኣብ እተካይዶ ኲናት ደገፋ ክተትገልጽን ወታሃደራዊ ሓገዝ ክትህብን ጸኒሓ’ያ። ንሩስያ ክትቃወም ምጽንሓን’ ውን ይዝከር።
ቅጥዒ