ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ኢህወዴግ ኣቦ መንበር ንምምራጽ ይቀራረብ ኣሎ


EPRDF
EPRDF

‘ኣብ ኢህወዴግ መዝነት መሪሕነት በቢተራ ይብጸሓና’ ዝብል ኣሰራርሓ ኣይጸንሐን ኣነ ክሳብ ዝፈልጦ’ ይብል ናይ ሎሚ ጋሻና ኣቶ ኣታኽልቲ እምባየ።

‘መሪሕነት ዝምዘዝ ብመንጽር ጽፉፍ መስርሕ ገምጋም’ ምዃኑ’ውን ይገልጽ። ኣብ ኢህወዴግ ውልቀ-ሰባት ኣይኮኑን ዝግምገሙ ውድባት’ምበር፣ ኢህወዴግ ዝነጸሮም መደባት ኣለው፣ ኣብ ገምጋም ድማ ዝራኣይ እከለ እንታይ ገይሩ ዝብል ዘይኮነስ ውድባት ኣብ ምዕዋት እቲ መደባት ዝነበረት ተራ’ዩ’ በለ ኣታኽልቲ እምባየ።

ኣብ’ዘን ዝቕጽላ ሒደት መዓልታት ዝእከብ ማእከላይ ኮሚቴ ኢህወዴግ ንፈጻሚ ስራሕ ዘቕርበሉ ሪፖርት ገምጊሙን ኣማሓይሹን ኣቦ መንበርን ምክትል ኢህወዴግ ክመርጽ’ዩ።

እቲ ብማእከላይ ኮሚቴ ኢህወዴግ ዝምረጽ ኣቦ መንበር፣ ብቀጥታ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ንክኾን ኣብ ፓርላማ ቀሪቡ ድምጺ ከምዝግበረሉን ስልጣን ከምዝርከብን ኣቶ ኣታኽልቲ ሓቢሩ።

ማእከላይ ኮሚተ ኢህወዴግ ካብ ኣርባዕቲኦም ኣባል ውድባት 45 ኣባላት ብሓፈሽኡ 190 ኣባላት ዝሓቆፈ ላዕለዋይ ኣካል ኢህወዴግ’ዩ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:09:55 0:00

XS
SM
MD
LG