ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መስርሕ ምትኽኻእ ኣብ ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮዽያ ይቅፅል‘ሎ ይብል ኢህወደግ


EPRDF
EPRDF

ምትኽኻእ ክብሃል ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ቀዳማይ ረድፊ ዘለዉ ነባራት ተጋደልትን ዓበይቲ ሰበስልጣንን ናብ`ቲ ዝቕጽል ረድፊ ይኸዱ ወይ ብኣማኻርነት ይቕጽሉ ማለት ከምዝኾነ ምንጭታት ገዛኢ ፓርቲ የረድኡ

ኢህወዴግ ይትግብሮ ዘሎ መስርሕ ምትኽኻእ ትፅቢት ዝግበረሉን ብመሰረት ዝተታሓዘ መደብ ይፍፀም ከምዘሎን ተገሊፁ።

ሚንስትር ማስታወቅያ ዳሓር ሚንስትር ኮምኒኬሽን ኮይኖም ዘገልገሉ ነባር ኣባል ኢህወዴግ ኣቶ በረከት ስምኦን፣ኣብ‘ዚ ቀረባ ብመሰረት ዝተፈፀመ ብወዛ ናብ ካልእ መዝነት ተንቀሳቂሶም‘ለው።ናይ ቀ/ሚ ኣማኻሪ ፖሊስን መፅናዕቲን ዝብል ሓላፍነት ተዋሂብዎም‘ሎ።

ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሩ ኣቶ ኩማ ደመቅሳ‘ውን ከም ኣቶ በረከት ስምኦን ኣማኻሪ ፖሊስን መፅናዕቲ ቀ/ሚ ብደረጃ ምንስትር ተሸይሞም‘ለው።

ገዛኢ ፓርቲ፣እቲ ዝፍፀም ዘሎ ብወዛ ብመሰረት ፖሊሲ ምትኽኻእ ይፍፀም ከምዘሎ ይገልፅ።ኣብ‘ዚ ቀረባ መግለፂ ዝሃቡ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ምርጫ ኣባላት ካቢነ ንመስርሕ ምትኽኻእ ሓጋዚ ምኻኑ ጠቂሶም ነይሮም

”ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግን መንግስትን፣ንዝሓለፉ ክልተ ዓመትን ፈረቃን ትግባረ ምዕባለን ትራንስፎርሜሽንን ገምጊሞም፣ዝተረፈ ጊዜ ዕውት ስራሕ ንክፍፀም፣ብመሰረት ውድብና ዝነፀሮ መስርሕ ምትኽኻእ፣ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ዝያዳ ኣድማዕን ስትራተጂካዊን ስራሕቲ ዝህብሉ መደብ ንክምደቡን ብካልኦት ዝትክእሉን መስርሕ ምፍፃም ኣገዳሲ ኮይኑ ተረኺቡ‘ሎ” ኢሎም ነይሮም እቶም ቀ/ሚ።

ምትኽኻእ ክብሃል ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ቀዳማይ ረድፊ ዘለዉ ነባራት ተጋደልትን ዓበይቲ ሰበስልጣንን ናብ`ቲ ዝቕጽል ረድፊ ይኸዱ ወይ ብኣማኻርነት ይቕጽሉ ማለት ከምዝኾነ ምንጭታት ገዛኢ ፓርቲ የረድኡ።

ሚንስቲራትን ላዕለዎት መራሕቲ’ቲ ግንባርን፣ልዕሊ ክልተ ጊዜ ምርጫን ካብ ሳብ ስሳ ዓመት ንላዕሊ እንተኮይኖም ኣብ ስልጣን ንከይፀንሑ ኢህወዴግ ከምዝወሰነ ይዝከር ይብል እስክንድር ፍሬው ዝላኣኾ ሪፖርት።
XS
SM
MD
LG