ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ የካይዶ ዘሎ ዕጽው ኣኼባ ብዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ


ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ የካይዶ ዘሎ ዕጽው ኣኼባ ብዝምልከት ሎሚ መግለጺ ኣውጺኡ።

እቲ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ፡ ኣብቲ መግለጺ"ኣብ ውድብና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተጀመረ ናይ ምሕዳስ ምንቅስቃስ ብዝርዝር ምግምጋም ጀሚሩ’ሎ" ይብል።

እቲ ፈጻሚ ስራሕ ኣብቲ መግለጺኡ እታ ሃገር ኣብ መንጎ ቅልጡፍ ናይ ቁጠባ ዕብየት ዝፈጠሮ ተስፋን ዝተአከበ ፖለቲካዊ ጸገማት ዝፈጠሮ ስግኣትን ተቐርቂራ ከምዘላ ከምተገንዘበ ይገልጽ።

ዛጊት ብዝተገብረ ገምጋም ኣብ መንጎ ኣርባዕቲኦም ሃገራዊ ውድባት ዘሎ ርክብ ብፍላይ ካብ ቀረባ ጊዜን ንነጀው ንሓድሕድ ኣብ ምጥርጣር ዝዛዘወ፡ ዘይምትእምማን ድማ ይገንን ምህላው ምግንዛቡ’ውን ገሊጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ የካይዶ ዘሎ ዕጽው ኣኼባ ብዝምልከት መግለጺ ኣውጺኡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:27 0:00

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

XS
SM
MD
LG