ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገዛኢ ሰልፊ ኢትዮጵያ ኢህወዴግ 'ንውዕል ኣልጀርስን ብይን ዶብን ብዘይቅድመ ኩነት ተቐቢሉ ከምዘትግብሮ' ገሊጹ!


EPRDF
EPRDF

'ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጸንሐ ናይ ዶብ ምስሕሓብ መታን ክፍታሕ ኢትዮጵያ ንውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮምሽን ዶብን ብዘይ ቅድመ ኩነት ተቐቢላ ንምትግባር ተሰማሚዓ ኣላ' ይብል ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ 'ኢህወዴግ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝጽንሐ ዘይምርድዳእ ንከብቕዕ፣ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ህዝቢታት ነባራይ ሰላም ንክዓስል' መጸዋዕታ ከምዘቕረበ ይሕብር።

ኣብ 1990 ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተካየደ ኹናት ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተመዝገቡ ውግኣት ዶብ እቲ ዝኸፍአ ደማዊ ውግእ ኮይኑ ከምዝሓለፈን፣ ካብ ክልቲኡ ወገን ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝሞቱን፣ ከምዝተፈናቐሉን' ጠቒሱ።

'ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ኣብ'ዚ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ዝተፈተኑ ጻዕሪታት ውጽኢታዊ ኣይኮኑን፣ ብምኽንያት'ዚ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ፍልይ ዝበለ መርገጺ ምስጓም ኣገዳሲ ምኳኑ'ውን' ሓቢሩ።

'ህዝቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ቀደሙ'ውን እንተኾነ ኣሕዋት ኢና' ዝብለ መግለጺ ኢህወዴግ 'ብደም፣ ብባህሊ፣ ብቋንቋን ብነዊሕ ሓባራዊ ታሪኽን ዝተኣሳሰሩ ኣህዛብ'ዮም' ይብል።

ስለዚኾነ፣ ንረብሓ'ቶም ብረብሓ ጥራሕ ዘይኮነ ብደም'ውን ዝተኣሳሰሩ ኣህዛብ ክልቲኤን ሃገራት ተባሂሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንውዕል ኣልጀርስን ውሳነ ኮምሽን ዶብን ሙሉእ ንሙሉእ ተቐቢሉ፣ ንትግባረኡ ብዘይምጥርጥርን ብቆራጽነትን ዝሰርሕ ምዃኑ' ኣፍሊጡ ኣሎ ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ኢህወዴግ።

መንግስቲ ኢርትራ ብተርኡ ተመሳሳሊ መርገጺ ክሕዝን ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት ንዝቐረበሉ መጸዋዕታ ሰላም ተቐቢሉ፣ ነቲ ዝነበረ ምሕዝነትን ሓቢርካ ምንባርን ክልቲኦም ህዝቢታትይ ናብ ንቡር ኣብ ምምላስን ዘላቒነቱ ንክረጋግጽን ንግብራዊነቱ ብዘይምጥርጣርን ብቆራጽነትን ንክሰርሕ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ ሓቲቱ'ሎ ይብል።

XS
SM
MD
LG