ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢሕኣዴግን ተቓወምቲን ኣብ ዘኻየድዎ ልዝብ መበገሲ ሃሳብ ዘቕርብ ኮሚቴ ተመስሪቱ


ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮጵያ ኢህወዴግን ተቓወምቲ ፓርቲታት ንዘኻየድዎ ልዝብ ብዝምልከት ሎሚ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ሸውዓተ አባላት ዘለዎ ኮሚቴ ኣብ ዘዳልዎ ሓባራዊ መበገሲ ሓሳብ ንምዝርራብ ቆጸራ ሒዞም ተፈላልዮም።

ኣብቲ ጉባኤ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ምክፋሎም ገዛኢ ፓርቲ ነታ ጉዳይ ክብደት ዝሃቦ ይመስል ክብሉ ገለ መራሕቲ ተቃወምቲ ፓርትታት ገሊጾም። ብተወሳኺ ጽቡቕ ውጽኢት ክርኸቦ ይኽእል’ዩ ኢሎም ተስፋ ከምዝገብሩ’ውን ሓቢሮም።

ገዛኢ ፓርቲ’ውን 21 ተቓወምቲ ፓርትታትን ሎሚ ንካልኣይ ጊዜ ኣብ ዘካየድዎ ጉባኤ ሸውዓተ አባላት ዘለዎ ኮሚቴ ብምስያም ካብቶም ፓርትታት ንዝቐረቡ ሓሳባት ብምጅማር ሓባራዊ መበገሲ ሃሳብ ንኽቀርብ ብምስምማእ ኣኼባኦም ምዝዛሞም ንጋዜጠኛታት ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኢሕኣዴግን ተቓወምቲን ኣብ ዘኻየድዎ ልዝብ መበገሲ ሃሳብ ዘቕርብ ኮሚቴ ተመስሪቱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:19 0:00

Recommended

XS
SM
MD
LG