ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓለምለኸ ተዓዘብቲ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ዝተረኸብሉ፡ ኢህወድግን ተቓወምትን ብዛዕባ ኣጀንዳታት ልዝብ ጀሚሮም


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግን ተቓወምቲ ፓርትታትን ዓለምለኸ ተዓዘብቲ ኣብ ዝተረኽብሉ ብዛዕባ አጀንዳ ልዝብ ክዘራረቡ ጀሚሮም።

ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ንዘተ ፍቃደኛ ዝኾነሎምም ዘይቅበሎም ነጥብታት ሎሚ ወግዓዊ ክኾኑ ጀሚሮም ኣለው። ኣብ ሕግታት ምርጫ ክላዘብ ፍቃደኛ ምኳኑ ኣብ ኣዋጅ ህጹጽ ሓደጋ ግን ምዝርራብ ከምዘይክእል ኣፍሊጡ’ሎ።

እቶም ተቓወምቲ ፓርታት ብወገኖም ካብ ዘቕረብዎ አጀንዳታት ዝተፈላለዩ ኮይኖም አጀንዳ ኣቕራቢ ኮሚተ ድማ ናብ 13 ነጥብታት ጸሚቑ ኣቕሪቡ’ሎ።

ዋና ተላዛቢ ኢህወዴግ አቶ ሽፈራው ሽጉጤ ኣብ ኢትዮጵያ ዝትግበሩ ዘለው ዝተፈላለዩ ኣዋጃት ስለምንታይ ንልዝብ ከምዝቀርቡ ተቓወምቲ ፓርትታት መብርሂ ክህቡ ድሕሪ ምሕታት ብዛዕባ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅን ግን ከምዘይላዘቡ ይገልጹ።

“ ብዛዕባ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ እንተዘይኾይኑ ግን ኣብ ህጹጽ ግዜ አዋጅ ኮይና ብዛዕብኡ ክንላዘብ ስለዘይንኽእል ኣይንቕበሎን ኢና።”

ካብ ንልዝብ ዝቐረቡ ነጥብታት፡ ሕግታት ምርጫ፡ ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልና እሱራት ክፍትሑ ዝብሉን ካልኦት ይርከብዎም።

ኣብ`ቲ ልዝብ፡ ካብ ናይ ኣመሪካን ካብ ካልኦት ኢምባሲታትን ዝተወከሉ ተዓዘብቲ ተረኺቦም ኔሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG