ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢህወዴግ ሃገራዊ ውሁድ ፓርቲ ንክኸውን ዝተኻየደ መፅናዕቲ (1ይ ኽፋል)


Dr. Mulu Nega
Dr. Mulu Nega

ህወሓት ሓዊሱ ኣርባዕተ ኣሓት ውድባት ዝሓቖፈ ግንባር ኢህወዴግን ሓሙሽቲአን ኣጋር ውድባትን ሓደ ውሁድ ሃገራዊ ውድብ ንምፍጣር ካብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዚያ 2010 ዓ/ም ጀሚር መፅናዕቲ ከምዝተኻየደ ነቲ መፅናዕቲ ንምክያድ ብኢህወዴግ ናይ ዝተጣየሸ ጉጅለ ላዕለዎት ክኢላታት መራሒ ዝኾኑ ዶ/ር መሉ ነጋ ንቪኦኤ ትግርኛ ገሊፆም።

በዘይካ ህወሓት ሰለስቲኦም ኣባል ውድባት ኢህወዴግን ኣጋር ውድባትን ሓደ ሃገራዊ ውድብ ክምስረት ተሰማሚዖም ኣለው።

እቲ ካብ ተፅዕኖ ነፃ ንክኸው፣ንድሕነት ናይቶም ዘፅንዑን ንቅንዕና ናይቲ መፅናዕትን ክብሃል ኮድ ተዋሂቡዎ ብሚስጥር ዝፍለጥ ጉጅለ መፅናዕቲ ሳይንሳዊ ናይ መፅናዕቲ ኣገባብ ተኸቲሉ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ተፅዕኖ መራሕቲ ይኹኑ ፖለቲከኛትት ከምዝተኻየደ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህርን ተመራማራይን ዶ/ር ሙሉ ገሊፆም።ኣባላት ናይቲ ጉጅለ ኣርባዕተ መምህራንን ተመራመርትን ዩኒቨርስቲ እዮም።

ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ዝተቐመጠ መትከል ምፍጣር ሓደ ናይ ኢኮኖሚ ማሕበረሰብ በቲ ዝተቐመጠሉ ኣብ ባይታ ይትግበር እንተሃሊዩ፣ኩለን ውድባት ኣብ ፖለቲካዊ ፕሮግራመንን ዕላምአንን ዘቐመጥኦም መትከላት ይትግብርኦ ምህላወን ሓዊሱ ካልኦት ኣገደስቲ ጉዳያት ብምሓዝ መፅናዕቲ ከምዝተኻየደን እቲ ውፅኢት ድማ ዝተብሃሉ መትከላት ኣብ ምፍፃም ዓበይቲ ፀገማት ከምዘለውን ነዚ ንምፍታሕ ክኣ ምፍጣር ውሁድ ፓርቲ ኣገዳሲ ምዃኑን ብኩሎም ውድባት ተቐባልነት ከምዝረኸበ ወሲኾም ገሊፆም።

ኮይኑ ግን ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ዝርከባ ውድባት ከም ኣብ ሓደ ግንባርን ኣብ ሓደ ዕላማን ዝጥርነፉ ከይኮናስ ከም ተፃረርቲ ሓይልታት ክጠላለፋ፣ክጠራጠራ፣ነንባዕለን ከምዝሰሓሐባ፣ኣብ መንጉአን ሰፊሕ ዘይምትእምማን ከምዘሎን እቲ መፅናዕቲ ኣረጋጊፁ’ሎ።ነዚ ንምፍታሕ ድማ ኣብ መንጎ እተን ውድባት ምዝርራብን ምርድዳእን ክፍጠር ናይ መፍትሒ ሓሳብ ከምዝተቐመጠ ወሲኾም ገሊፆም።

እቶም ውድባት ውሽጣዊ ፀገሞም ብምዝርራብ ክፈትሑ ትፅቢት ይግበር እንተነበረ እውን ናይ ህውሓት ካብቲ መስርሕ ምውፃእ ግን ካብ ናይቲ መፅናዕቲ ኣመተ ወፃኢ እዩ ኢሎም።

ብድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:08:36 0:00


XS
SM
MD
LG