ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ኣባል ውድባት ኢህወዴግ ዝሃብዎ እዋናዊ ሓባራዊ መግለጺ


መራሕቲ 4 ውድባት ኢህወዴግ
መራሕቲ 4 ውድባት ኢህወዴግ

መራሕቲ ኢህወዴግ ‘ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ ‘ብመንጽር ሓቢርካ ምስራሕ መሪሕነት ብዕምቆት ዝተዳህሰሰሉ ከምዝነበረ፣ ውሽጠ ዲሞክራሲን ናብ ህዝቢ ኣብ ምዝርጋሕን ግና ጸገም ከምዝነበረ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ’ሎ’ ኢሎም።

እቲ ን18 መዓልታት ዝቀጸለ ዕጹው ኣኼባ ‘ኣብ’ታ ሃገር ኣንጸላልዩ ኣሎ ዝባሃል ጸገም ሓደ መዘራረቢ ኣጀንዳ ከምዝገበረ’ እቲ ዜና ይሕብር።

ኣቦ መንበር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ‘ብመንጽር ሓድነት ኣሓት ውድባት ኢህወዴግ፣ ቀጻሊ ስራሕ ከምዝተዓየሉ’ ገሊጾም። ምክትል ሊቀ መንበር ኢህወዴግን ኣቦ መንበር ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቃስ ብሄረ ኣምሓራ (ብኣዴን) ኣቶ ደመቀ መኮንን ‘እቲ ዝተፈጠረ ናይ ኣረኣእያ ሓድነት ንተግባራዊ ተበግሶ መሰረት ኣንቢሩ’ዩ’ ይብሉ።

ኣቦ መንበር ዴሞክራሲ ውድብ ህዝቢ ኦሮሞ (ኦህዴውን) ኣማሓዳሪ ክልል ኦሮምያ ኣቶ ለማ መገርሳ ብወገኖም ‘ህዝቢ ጸገሙ ዘይፍተሐሉ እንተኾይኑ ናብ ዓመጽ’ዩ ዝኣትው። ኩሉሻዕ ዝሕቆን ነገር ምንታጉ ኣይተርፍን’ ኢሎም።

ቀ/ሚ ኃይለማርያም ደሳለኝ ብተረኦም ‘እሱራት መራሕቲ ፖለቲካን ካልኦትን፣ ምሕረት ንዝግባኦም ምሕረት፣ ኣብ ከይዲ ዘለው ድማ ከይዲ ሙግት ተቛሪጹ ተረባሕቲ ንክኾኑ ምግባር ንቕድሚት ሓደ ስዳሮ ምስጓም’ዩ ባሃልቲ ኢና’ ኢሎም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:03 0:00

XS
SM
MD
LG