ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ብድኽመት መሪሕነት ዝተፈጥሩ ሓደጋታትን ስግኣታትን ንምቕራፍ ዘኽእል ምርድዳእን ስምምዕነትን ብምግባር ገምጋሙ ከምዝዛዘመ ገሊፁ


ብድኽመት መሪሕነት ዝተፈጥሩ ሓደጋታትን ስግኣታትን ንምቕራፍ ዘኽእል ምርድዳእን ስምምዕነትን ብምንባር ገምጋሙ ከምዝዛዘመ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ገሊፁ።ኣብ ብዙሓት ከባቢታት እታ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ጠፊኡ ሞት ዜጋታት መዓልታዊ ፍፃመ ይኸውን ከምዘሎ’ውን ሓቢሩ’ሎ።

ድሕሪ ናይ 17 መዕእልታት ገምጋም ዝወፀ መግለፂ ስራሕ ፈፃሚ ኢህወዴግ ስእነት ዴሞክራሲ በብደረጅኡ ሱር ምስዳዱን ብሰንኪ እዚ ኣብ ውሽጢ መሪሕነት ናይ ኣመለኻኽታን ናይ ተግባር ሓድነትን ከይፍጥር ዕንቅፋት ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ።

ግቡእ ኣብዘይኮኑ ረብሓታት ዝተመስረቱ ጉጅለኣዊ ምትእስሳራት ውድባውን ልምዓታውን ተልእኾታት ብብቕዓት ከይፍፀሙ ዝለዓሉ ዕንቅፋታት ምፍጣሮም ይገልፅ።

ካብ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ክፋላት እታ ሃገር ናይ ሰላምን ምርግጋእን ስእነት ከምኡ እውን ናይ ዜጋታት ሞት መዓልታዊ ፍፃመ ምዃኑ ብምሕባር ብሰንኪ እዚ ሃገራዊ ህልውና ኣብ ሓደጋ ዘውደቐን ንሓደጋ መጥቓዕቲ ወፃኢ ዘቃልዕን ኩነታት ከምዝተፈጥረ እውን ኣብሪሁ።

ስለዝኾነ ድማ ናይታ ሃገር ሰላም ኣብ ዝሓፀረ እዋን ናብ ንቡርን ዘተኣማምን ኩነታት ክምለስ ወሲኑ’ሎ።

ብሄረሰባውን ሃገራዊ መንነትን ኣተኣሳሲሩ ኣብ ምህናፅ ጉድለት ከምዝነበረን ብዘተኣማምን ክፍታሕ ከምዘለዎን ሓቢሩ’ሎ።

ዝተፈጥሩ ፀገማት ብዋናነት ኣብቲ ላዕለዋይ መሪሕነት ውድብን መንግስትን ምዃኑን ብምግላፅ ሓላፍነት ከምዝስከም ሓቢሩ።ዝተሰምዖ ዓሚቕ ጣዕሳ ብምግላፅ መላእ ህዝቢ እታ ሃገር ከምኡ እውን ኣባላትን ደገፍትን እቲ ውድብ ካብ ልቢ ዝነቐለ ይቕሬታ ሓቲቱ’ሎ።

ፈፃሚ ስራሕ ኣብ ዘሕለፎ ውሳነ በዓል ሸሞንተ ነጥቢ ንናይቲ ህዝቢ ሰላም ዝዘርግ ዝኾነ ይኹን ተግባር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንምውዓል መንግስቲ ምሉእ ሓላፍነት ከምዝወስድ ኣረዲኡ’ሎ።ናይ ዜጋታት ናይ ምንቅስቓስ መሰላት ዝህውኹ ናይ ጉጅለን ናይ ውልቅን ምንቅስቓሳት እውን ከምዝቆፃፀር ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣብ ተዳወብቲ ከባቢታት ክልላት ኦሮሚያን ሶማልያን ዝወረደ ሞትን ምኽልባት ዜጋታት ከምኡ እውን ምዝባል ብኣማኢቲ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ብቕልጡፍ ተገቲኡ ስሩዕ ህይወቶም ዝመርሕሉ ኩነታት ንምድላው ኣብቶም ከባቢታት ዘለው ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ንምቑጽፃርን ወሲኑ’ሎ።

ኣብ ሕድሕድ ኣርባዕቲአን ኣባላት ውድብ ኢህወዴግ ኣብ ዝለዓለ ኣመራርሓ ዝርአ ድኽመት ብዕሙቀት ገምጊሙ ናይ መስተኻኸሊን መእረምታን ስጉምቲ ክወስዳ ምውሳኑ እውን ሓቢሩ።

ናይ ህዝቢ ተኣማንነት መሊሱ ንምርካብን ህዝቢ ዝስምዐሉን ወሳንነቱ ዝረጋግፀሉን ዕድል ክሰፍሕን ናይ መናእሰይ ሕቶ ብዝግባእ ንምምላስን ተሳትፍኦም ንምርግጋፅን ተኸታተልቲ ስራሓት ንክስርሑ እውን ወሲኑ’ሎ።

ህንፅነት ስርዓት ፖለቲካዊ ብዙህነት ንምርግጋፅ ምስ ኩሎም ተቓወምቲ ውድባትን ምስ ህዝቢን ብሓባር ንምፍታሕ እውን ወሲኑ’ሎ።ምሁራንን ስቪክ ማሕበራትን ግቡእ ኣበኽቶ ዝህብሉ ምቹእ ሃዋህው ክፍጠር ወሲኑ’ሎ።ኣብቲ ኣኼባ ካብ 36 ኣባላት ፈፃሚት ስራሕ ብተወሳኺ ናይቲ ውድብ ነባር ኣባላት ኣመራርሓ እውን ምስታፎም ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG