ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አኼባ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ከምዝተዛዘመ ተሓቢሩ


ንዝሓለፈ ሰሙናት ኽካየድ ዝቐነየ አኼባ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ከምዝተዛዘመ ዝበጽሓና ዜና ሓቢሩ።


ኣብታ ሃገር ንዝተፈጥረ ውጥረት ንምፍታሕ ተባሂሉ ዝተጀመረ አኼባ ዝተዛዘመ ዝተፈላለዩ ውሳኔታት ብምሕላፍ ምዃኑ እቲ ኮሚቴ ንመሓውራት ዜና'ታ ሃገር ኣብ ዝለኣኾ መግለጺ ኣፍሊጡ።


ኣብቲ ኣኼባ ካብቶም 36 አባላት ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ነባር አባላት ኣመራርሓ'ውን ክሳተፉ ምቕናዮም ምንጭታት ሓቢሮም።


ብተወሳኺ አባላት ኮሚቴ ንቀዳማይ ሚንስትር ሕቶ ዘቕረቡ አባላትን ብውድባዊ መሓውር ክዘራረቡ ምጽንሖም ምንጭታት ዝጠቐሰ ጋዜጣ ሪፖርተር ገሊጹ።

ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዲግ ካብ ኦህዴው: ብኣዴን: ናይ ደቡብ ህዝብታት ዲሞክራሲያዊ ውድብን ህውሓትን ነፍሲ ወከፍ ትሸዓተ አባላት ዝርከብዎ ቀዳማይ ሚንስትር ብአቦ መንበርነት ዝመርሕዎ አኼባ ምንባሩ ተፈሊጡ'ሎ።


እቲ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ኣብ መዛዘሚ ኣኼብኡ ብዛዕባ ዘሕለፎ ውሳነ ዝተዋህበ ዝርዝር ሓበሬታ ግን የለን።

XS
SM
MD
LG