ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ክሳብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ክቕፅል ከምዝኽእል ምንጭታት ገዛኢ ፓርቲ ገሊፆም


ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ክሳብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ክቕፅል ከምዝኽእል ምንጭታት ገዛኢ ፓርቲ ገሊፆም።ኣቦ መንበርን ናይቲ ግንባርን ቀዳማይ ሚንስትርን ናይ ምምራፅ ኣጀንዳ እውን ብኡ ልክዕ ከምዝናዋሕ ሓቢሮም።

ካብ ዝጅመር ሳልሳይ መዓልቱ ዝሓዘ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ብኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ንዝቐረበ ሰንድን ሪፖርትን ሎማ መዓልቲ እውን ከምዝቐፀለን እቲ ሰነድ ስፍሕ ዝበለ ብምዃኑ ምምራፅ ኣቦ መንበርን ቀዳማይ ሚንስትርን እውን ብኡ ልክዕ ንቕድሚት ክድፋእ እዩ ኢሎም እቶም ምንጭታት።

ካብ ሓሙስ ድሕሪ ስዓት ጀሚሩ ምርጫ ክፍፀም ከምዝኽእል ክገልፅ እንተፀንሐ እውን ኣብ ቀዳመ ሰንበት ክካየድ ከምዝኽእል እቶም ምንጭታት ይሕብሩ።መን ቀዳማይ ሚንስትር ከምዝኸውን ሓበሬታ የለን።

ብምስጢር ድምፆም ዝህቡ 45 ካብ ሕድ ሕድ ኣሓት ውድባት ብድምር 180 ኣባላት ቤት ምኽሪ እዮም።ካብ ኦህዴድ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድን ካብ ብኣዴን ኣቶ ደመቀ መኮነን ሓዲኦም ኣቦ መንበር ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተንተንቲ ይገልፁ፤ካብ ትፅቢት ወፃኢ ክምርፅ ዕድል ከምዘሎ እውን ወሲኾም ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG