ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስሩዕ ጉባኤ ገዛኢ ፓርቲ ኢትዮዽያ ኢህወዴግ ተዛዚሙ


EPRDF
EPRDF
ኣብ ባህርዳር ይካየድ ዝቀነየ ጉባኤ ኢህወዴግ ሎሚ ምሸት ተዛዚሙ።

እቲ ጉባኤ ድሕሪ ሞት ቀ/ሚ መለስ ዜናዊ ዝተካየደ ፈላማይ ጉባኤ‘ዩ። ንኢትዮዽያ ሓደ ስጉሚ ንቅድሚት ከምዝወስድ ብገዛኢ ፓርቲ ዝንገረሉ ትልሚ ዕብየትን ትራንስፎርሜሽንን፣ክስራሓሉ ካብ ዝጅምር‘ውን ፈላማይ ጉባኤ‘ዩ።

እቲ ጉባኤ ኣብ ናይ ሎሚ ሰሉስ ውዕልኡ፣ንኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ብኣቦ-መንበርነት፣ኣቶ ደመቀ መኮንን ድማ ምክትል ገይሩ መሪፅዎም‘ሎ።ኣቶ ሃይለማርያም ”እቲ ጉባኤ ንዘሕለፎም ውሳነታት ተመርኲስና ክንረባረበሉ ዝግባኣና ስንቂ ረኺብናሉ‘ለና።ኣመራርሓና በቢደረጅኡ ንዘሎ ኮማንድ ፖስታትን፣ናእሽቱ ትካላትን ብምስፋሕን፣ከምዝጉልብቱ ንምግባርን ናይ ሞትን ሕየትን ፃዕሪ ክነካይድ ኢና” ኢሎም።

ኣቶ ሃይለማርያም ኣተሓዚዞም ”በቲ ዝድለ ደረጃ ንከይንጎዪ ኣሲሩ ዝሓዘና ‘ኣስመሳልነት’ ብምውጋድ፣ጌጋና ብዘይምድንጓይ ኣሪምና ቅልጡፍ ውፅኢታት ብምምፃእ ኣብ‘ዛ ዓመት‘ዚኣ፣ዕውት ምህርቲ ሕርሻ ንሓፍሰላ ክትከውን ይግባእ” ኢሎም።
XS
SM
MD
LG