ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉባኤ ኣባላት ኢህወዴግ ተዛዚሙ፣ሓፈሻዊ ጉባኤ ቀዳም ኣብ ባህርዳር ክጅምር‘ዩ


EPRDF
EPRDF
ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢትዮዽያ እናተሳለጡ ዝቀነዩ ኣኼባታት ኣባል ውድባት ኢህወዴግ ተዛዚሙ።ዝተመርፁ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ‘ውን ብወግዒ ተገሊፁ‘ሎ።ኣቦ-መናብር’ተን ውድባት ኣይተቀየሩን ይብል ዝረኸብናዮ ዜና።

ኣብ ናዝሬት ኣኼብኡ ዝዛዘመ ውድብ ኦሮሞ ኦህዴው፣ንነባር ኣባላት ኣቶ ኩማ ደመቅሳ፣ኣቶ ግርማ ብሩን ኣባዱላ ገመዳን ካብ ኮሚቴ ፈፃሚት ስራሕ ናብ ማእከላይ ኮሚቴ መሊሱ ብካልኦት ክትክእ ከሎ፣ውድብ ኣምሓራ ዝኾነ ብኣዴን ድማ ንነባር ኣባል መሪሕነት ዝነበሩ ኣቶ ኣዲሱ ለገሰ ናብ ፈፃሚት ስራሕ መሊስዎም‘ሎ።

ናይ ህዝቢታት ደቡብ ውድብ ዝኾነ ደኢህዴው ኣባላት ፈፃሚት ስራሕ ንዝነበሩ ኣቶ ደበበ ኣበራን ኣቶ ታገሰ ጫፎን ናብ ማእከላይ ኮሚቴ መሊሱ፣ብኣቶ ደሴ ዳልኬን ብኣቶ ተስፋዬ ባልጅጌ ተኪኡዎም‘ሎ።

ተትሻዓተ ኣባላት ካብ ኣርባዕቲኤን ውድባት ዝውከሉሉ ጉባኤ ኢህወደግ ዝመፅእ ቀዳም ኣብ ባህርዳር ክጅምር‘ዩ።ኣቦ-መንበርን ምክትል ኣቦ-መንበርን ክመርፅ‘ዩ።ምንጭታት ኢህወዴግ፣ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝን ኣቶ ደመቀ መኮንንን ዳግም ክምረፁ‘ዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎዎም ይብል እስክንድር ፍሬው ዝላኣኾ ሪፖርት።
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:05 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG