ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያን አቦ መንበር ኢህወዴግን ዝመጽእ ሰሙን ከምዝፍለጥ ተገሊጹ


ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ

ኣቦ መንበር ኢህወዴግን ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያን ዝምረጸሉ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ከምዝኻየድ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ኣቶ ሽፈራው ሽጉጤ ገሊፆም።እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣባል ውድባት ኢህወዴግ መን መራሒ ይኸውን ኣብ ዝብል ንምርድዳእ ዝፍትኑ ቅድሚ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ እዩ ክብሉ ኣባል ኣመራርሓ ኢህወዴግ ዝነበሩ ኣቶ ገብሩ ኣስራት ርእይቶ ሂቦም።

ኣቦ መንበር ኢህወዴግን ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያን ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ዝትክእ መራሒ ንምምራፅ ዕለቱ ዝበፅሐ ይመስል። ኣቶ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንኣኼባ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ብኣቦ መንበርነት ይመርሕዎ ኣለው።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ኣቶ ሽፈራው ሽጉጤ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣብ መፈለምታ ዝቕፅል ሰሙን ክጅምር እዩ ኢሎም።

ፈፃሚ ስራሕ ኢህወዴግ ምንቅስቓስ ስራሕ ናይ ዝተጣየሻ ኮሚቴታት ብምግምጋም ናብ ማእኸላይ ኮሚቴ ዝቐርብ ሪፖርት ከምዝርእይን እቲ ቤት ምኽሪ እውን ነቲ ሪፖርት ምስ ገምገመ ዝተፈጥረ ናይ ኣመራርሓ ክፍተት ከምዝመልእ ኣረዲኦም ኣለው።ስለዝኾነ ዝቕል ኣቦ መንበር ኢህወዴግን ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያን ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ዝፍልጥ እዩ ኢሎም።

ካብ ዝሓለፈ ሰንበት ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኢህወደግን ክሳብ ሕዚ ዘተኮረሉ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ታሕሳስ ኣኼባ ዝተወሰነ ውሳነ ምዃኑ ኣቶ ሽፈራው ሽጉጤ ገሊፆም።ኣብ ሕድ ሕድ ብሄራዊ ውድባት ዝተኻየዱ ዝርዝር ግምገማታት ዝፈተሸ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።እቲ ኣኼባ ብኣወንታዊ ኩነታት ይካየድ ኣሎ ኢሎም።

“ክሳብ ሕዚ ዘሎ ግምገማ ኣዚዩ ፅቡቕ ዝበሃልን ብዝተነፀረ ኣንፈት ምፍፃሙ ብዝርዝር ዝፈተሸን እዩ።ኣብ መንጎ ብሄራዊ ውድባት ይኹን ኣብቲ ግንባር ፅኑዕ ሓድነት ናይ ኣረኣእያን ተግባርን ክፈጥር ዝኽእል ዝርዝር ገምጋም ተገይሩ’ሎ።ስለዚ ኣዚዩ ፅቡቕ ብዝኾነ መንገዲ እዩ እቲ ኣኼባ ኣብ ምክያድ ዝርከብ።”

ኣባል ኣመራርሓ ዓረና ትግራይን መድረኽን ኣቶ ገብሩ ኣስራት ቅድም ክብል ኣባል ላዕለዋይ ኣመራርሓ ኢህወዴግ ዝነበሩ እዮም።ኣርባዕቲኦም ኣባል ውድባት ኢህወዴግ ዝቕፅል ኣቦ መንበርን ቀዳማይ ሚንስትር እታ ሃገርን መን ይኹን ንምርድዳእ ዝፍትኑ ቅድሚ ዝቕፅል ሰሙን ዝካየድ ኣኼባ እዩ ይብሉ።

“ኣብ ቤት ምኽሪ እዩ ዝምረፅ፤ግን ኣቐዲሞም ክረዳድእሉ ይግባእ።ብፍላይ ሕዚ እቶም ውድባት ውሽጣዊ ፍሕፍሕ ኣለዎም።ምርሕሓቕ እውን ስለዘለዎም ኣቐዲሞም ክረዳድኡ ማለት እውን ንመን ከምዝመርፁ ተዘራሪቦም እዮም ዝኣተው።”

ኣብዚ ሕዚ እዋን መን መራሒ ይኸውን ዝብል መዘራረቢን ኣሰሓሓብን ስለዝኾነ እቶም ውድባት ንመን ከምዝመርፁ ተረዳዲኦም ናብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ዝኣተው ይመስለኒ ኢሎም።

ቅድሚ ሎሚ መራሒ ዝመረፀሉ ኣገባብ ጎሊኡ ዝወፀ ከምዝነበረን ሎሚ እዚ ኩነታት ኣብዘየለሉን ኣብ ዝነኣሰ ኩነታት እውን ምርድዳእ ኣብዘይብሎምን ብውሽጢ ተዘራሪቦም ወዲኦም ከምዝኣትውን ድሕሪኡ ኣብ ቤት ምኽሪ ድምፂ ምሃብ ትፅቢት ከምዝግበርን ኣቶ ገብሩ ኣስራት የረድኡ።

ካብ ኣርባዕቲኦም ኣቦ መንበር ኣባል ውድባት ኢህወዴግ ካብ ኦህዴው ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ፣ካብ ብኣዴን ኣቶ ደመቀ መኮነን፣ካብ ህውሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፡ካብ ዴህዴን ኣቶ ሽፈራው ሽጉጤ ሓዲኦም ቀፃሊ ኣቦ ወንበር ኢህወዴግን ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ክኾኑ ትፅቢት ይግበር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያን አቦ መንበር ኢህወዴግን ዝመጽእ ሰሙን ከምዝፍለጥ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:00 0:00

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

ቁጽሪ ተሳተፍቲ ሃገራት ዋንጫ ዓለም 2026 ብኽንደይ ክዓቢ እዩ?

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG