ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስርዓተ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብዝሓ ድምጺን ተመጣጣኒ ውክልናን ዝሓዘ ንክኸውን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ


ፋይል- ፓርላማ ኢትዮጵያ
ፋይል- ፓርላማ ኢትዮጵያ

ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግን ምስ መብዛሕትኦም ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ተቓወምቲ ውድባት ዘካይድዎ ዘለው ልዝብ ስርዓት ምርጫ ኢትዮጵያ ናይ ክልቲኡ ማለት እውን ናይ ኣብዝሓ ድምፅን ተመጣጣኒ ውክልናን ሕውስዋስ ንክኸውን ተሰማሚዖም።

ካብ ኣጠቓላሊ ናይ ፓርላማ ወናብር ክንደይ ሚእታዊት ብተመጣጣኒ ናይ ውክልና ስርዓት ከምዝተሓዙ ግን ገና ኣይተሰማምዑን።

ኣብ ስርዓተ ምርጫ ስዒሮም ጥራሕ ናብ ፓርላማ ዝኣትውሉ ናይ ኣብዝሓ ናይ ድምፂ ስርዓት በይኑ ክቕፅል ከምዘይብሉ ተሰማሚዕም።

እቶም ተሳተፍቲ’ቲ ልዝብ ዘይተሰማምዕሉ ነጥቢ ካብ ወናብር ፓርላማ ከክንደይ ሚእታዊት ይሓዙ ዝብል ኮይኑ 11 ተቓወምቲ ፓርትታት 40 ሚእታዊት ክኸውን ኣለዎ ክብሉ ከለው ኢህወዴግ ድማ ንተመጣጣኒ ውክልና ዝምደብ ወናብር 15 ሚእታዊት ክኸውን ኣለዎ ብምባሉ ኣይተረዳድኡን።ዝቕፅል ረቡዕ ክራኸቡ ብቖፀራ ምፍልላዮም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG