ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጎ ኢህወዴግን ተቓወምቲ ፓርትታትን ዝካየድ ልዝብ ዘዋድድ ኮሚተ ስርሑ ምጅማሩ ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ገዛኢ ፓርትን ተቓወምቲ ፓርትታትን ንልዝብ ዝቐረቡ ዛዕባታት ዘዋድድ ኮሚቴ አሰናዳኢ አጀንዳ ፡ ሚድያን ኮሚኒኬሽንንን ሎሚ ስርሑ ከምዝጀመረ ተገሊጹ።

እቲ ልዝብ ዝጅመር ፓርትታት አብ ልዕሊ’ቲ ዛዕባታት ምስ ተሰማምዑ’ዩ ተባሂሉ’ሎ።

ካብ ተቓወምቲ ፓርትታት ካብ ዝቐረቡ ዛዕባታት ገሊኦም እሱራት ፖለቲካን ሕልናን ምፍታሕ፡ ሕጊ ጸረ ግብረሽበራ ምምሕያሽን ዝብሉ ከምዝርኸብዎ ተገሊጹ’ሎ።

አብ መንጎ ገዛኢ ፓርቲ (ኢህወዲግ)ን ተቓወምቲ ፓርትታት ውሽጢ ሃገር ዝካየድ ልዝብ አብ ዝምርሓሉ ስነድ ድሕሪ ምስምሞዖም ኣብዚ እዋን ኣብ አጀንዳ’ዩ ትኹረት ጌሩ ዘሎ፡ ዛጊት ግን ኣይተወሰነን እንተኾነ ግን ኹሎም ኣብቲ ልዝብ ክለዓል ዝደልይዎም ዛዕባታት ንኮሚቴ አሰናዳኢ አጀንዳ፡ ሚድያን ኮሚኒኬሽን አረኺቦም’ለው።

ነቲ ኮሚቴ ብኣካብነት ዝመርሕዎ አቶ ገብሩ በርሀ አቦ መንበር ዲሞክራሲያዊ ሕብረት ኢትዮጵያን ወኪል ኢህወዴግ ተጸዋዒ ሚኒስትር ፓርላማ አቶ አስመላሽ ወልደስላሴ ከምኡ’ውን ሓላፊ ህዝባዊ ርክብ ኢራፓ አቶ መላኩ መሰለ ድማ ብኣባልነት ይርከብዎም። እዚ ኮሚቴ ነቲ ካብ ተላዘብቲ ፓርታት ዝቐረበ አጀንዳ ሎሚ ክርኢ ጀሚሩ’ሎ።

ሓደ ካብቶም ተላዘብቲ ናይ ዝኾነ መኢአድ ምክትል ፕረዝደንት አቶ ሙሉጌታ አበበ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ሓሙሽተ ፓርትታት ብብውልቆም አጀንዳ ምቅራቦም ይገልጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG