ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢህኣዴግን 21 ፓርትታትን ኣብ ዕላማ ዘካይድዎ ልዝብ ተሰማሚዖም


ካርታ ኢትዮጵያ

ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግን 21 ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝንቀሳቀሱ ፓርትታትን ኣብ ዕላማ ይካየድ ዘሎ ልዝብ ምስምምዖም ተገሊፁ።መዕለቢ ኣብዘይረኸቡ ካልኦት ጉዳያት እውን ንምዝርራብ ንዝቕፅል 30 ለካቲት 2009 ዓ.ም. ቆፅሮ ሒዞም ኣለው።

ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግን 21 ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝንቀሳቀሱ ፓርትታትን ንዘካይድዎ ልዝብ ምድላዎም ቀፂሎም ኣለው።ናይ ፖለቲካ ፓርትታት ናይ ክትዕን ልዝብን ረቂቕ ኣሰራርሓ ሰነድ ኣብዝብል ዝተቐመጡ ነጥብታት’ውን ኣብ ምዝርራብ ከምዘለው ተሓቢሩ።

እቶም ፓርትታት ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን እውን ኣብዚ ሰነድ እዚ ካብ መንጎ ዝተጠቕሱ ሓደ ጉዳይ ናይቲ ልዝብን ክትዕን ዕላማ ተሰማሚዖም ኣለው።

ሓደ ካብቶም 21 ተቓወምቲ ፓርትታት ናይ ዝኾነ ውድብ መላእ ሓድነት ኢትዮጵያ ምኽትል ፕረዝደንት ኣቶ ኣሰፋ ሃብተወልድ ኣብ ስምምዕ ዝተበፅሕሎም ዕላማታት እቲ ልዝብ ከምዚ ክብሉ ገሊፆም።

“ኣብቲ ልዝብ ዝልዓሉ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ከም መእተዊ ብምጥቃም መሰረታዊ ምምሕያሽ ዘድልዮም ሕግታትን ኣሰራርሓታትን ክመሓየሹን ክመዓራረዩን ምግባር ሓደ ዕላማ እዩ።ካልኣይ ናይ ፓርትታት ዴሞክራሲያዊ ርክባት ብምህያል ንናይ ሃገርና ንሰላም፣ዴሞክራስን ምዕባለ ዝህልዎም ኣበርኽቶ ምሕያል እዩ።እቲ ህዝቢ ፖለቲካዊ ፓርትታት ዘቕርቡዎም ኣማራጺ ሓሳባትን ዘለዎም መርገፂታትን ተረዲኡ ኣብ ፍልጠትን ሓበሬታን ተመስሪቱ ንክቀሳቐስ ዘኽእሎ ምቹእ ኩነታት ምፍጣር፣ሃገራዊ ምርድዳእ ምፍጣር፣ስርዓት ብዙህነት ፓርቲ ምሕያል፣ናይ ሃገርና ፖለቲካዊ ሃዋህው ፀገማት ብምልላይ መፍትሒ ክርከቦም ምግባር ዝሉ እዮም ዝተሰማማዕናሎም።”

እቶም ፓርትታት ዝዘራርብሉ ሰነድ ክሳብ ሕዚ ይፅዋዕ ዘሎ ናይ ፖለቲካ ፓርትታት ናይ ክትዕን ልዝብን ናይ ኣሰራርሓ ረቂቕ ሰነድ ዝብል እዩ።እዚ ንርእሱ ግን ዝርርብ ይግበረሉ ከምዘሎ ኣቶ ኣሰፋ ገሊፆም ኣለው።

ኣብዝን ካልኦት ዝተረፉ ዛዕባታትን ንምዝርራብ ንዝቕፅል ሓሙስ 30 ለካቲት 2009 ዓ/ም ቆፀሮ ተታሒዙ ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

XS
SM
MD
LG