ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ኣብ ዕብየት ለውጥን ሃዋህው ኣትያ’ላ ይብሉ ቀ/ሚ ተቃወምቲ ግን ነዚ ይነጽጉ


ቀ/ሚ ሃይለማርያ ደሳለኝ ኣብቲ በዓል መደረ እንዳስምዑ
ቀ/ሚ ሃይለማርያ ደሳለኝ ኣብቲ በዓል መደረ እንዳስምዑ

ኢትዮጵያ ንድሕሪት ክመልሳ ኣብዘይኽእል ናይ ዕብየትን ለውጥን ሃዋህው ኣትያ’ላ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ተዛሪቦም።ንሶም ነዚ ዝገለፁ ኢህወዴግ ስልጣን ዝሓዘሉ መበል 25 ዓመት ኣብዘኽበረሉ መድረኽ ተረኺቦም እዮም።ተቓወምቲ ፓርቲ ግን ብኢህወዴግ ይዝረቡ ዘለው ለውጥታት ኣብ ባይታ የለውን ይብሉ።

ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ስታዲዮም ኣዲስ ኣበባ ኣብዝተዳለወ ስነስርዓት ዝተረኽቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብቶም ዝሓለፉ 25 ዓመታት ብርክት ዝበሉ ዓወታት ተመዝጊቦም ኣለው ኢሎም።እዚ በዓል እዚ ንድሕሪት ቁሊሕ ኢልካ ንምርኣይ ከምዝሕግዝ ዝገለፁ ንሶም ቅድሚ 1983 ዓ/ም ዝነበረት ኢትዮጵያ ሓዳሽ ምስ ዝበሉዋ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ ብምንፅፃር ኣብዝተፈላለዩ ዓውድታት ምክባር ሕገ መንግስቲን ለውጥታት ተረኺቦም ኣለው ኢሎም።

ፌደራላዊ ስርዓት ተግባራዊ ዝገበረ ሕገመንግስቲ ኢፌዴሪ ናይ ህዝብታት ናይ ዘመናት ሕቶ መንነት ምሉእ ብምሉእ ካብ ምምላሱ ንላዕሊ ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰል ዜጋታት ከይተሸራረፉ ንኽበሩ ኣፍልጦን ሓለዋን ሂቡ እዩ እዮም ይብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ።

ብምቕፃል ኣብታ ሃገር ዘተኣማምን ሰላም ንክሰፍን፣ውሕስነት ዘለዎ ስርዓተ ብዙሕነትን ፓርቲ ዴሞክራሲያዎ ስርዓትን ንክዓስል፣ከምኡ’ውን ስሉጥ፣ዘላቕን ንኩሉ ዝረብሕ ፍትሓዊ ዕብየትን ንኽረጋገፅ ምችእ ሃዋህው ፈጢሩ’ሎ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ንድሕሪት ክምለስ ኣብዘይኽእል ናይ ዕብየትን ለውጥን ሃዋህው ኣትያ’ላ ክብሉ እውን ገሊፆም ኣለው ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ።

ኣባል ተቓዋሚ ፓርቲ ዝኾኑ ኣቶ ልደቱ ኣያሌው 25 ዓመት ዘመነ ኢህወዴግ ሕውስዋስ ውፅኢት ዝተመዝገበሉ እዩ ይብሉ።

ተቓወምቲ ፓርትታት ብወገኖም ብፍላይ ፖለቲካዊ ምምሕያሽ የለን፤ኢህወዴግ ካብ ልቡ ዴሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ኣብዛ ሃገር ክኽበር ድልየት ዘለዎ መንግስቲ ኣይኮነን ክብሉ ቅሬታኦም ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG