ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንወፍሪ ቀይሕ ኮኸብ ዘምከነ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ህወሓትን ህዝባዊ ግንባርን ኣዎንታዊ ምኳኑ ኣቶ መስፍን ሓጎስ ይገልፁ


ንጀብሃ ኣብ ምሕቃቅ ግና ቀንዲ ተሓታቲት ባዕላ ጀብሃ‘ያ ይብሉ ኣቶ ፍስሓፅዮን ገብረ

ናይ ክልቲኡ ውድባት ምትሕግጋዝ ኣብ ወፍሪ ቀይሕ ኮኸብ ጥራሕ ዝተሓፅረ ኣይነበረን።ምትግጋዝ ኣይነበረን ዝብል ወገን ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን።እቲ ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ልዕሊ ዝተራኣየሉ ግን ኣብን ድሕሪ ፀረ ወፍሪ ቀይሕ ኮኸብ'ዩ ይብሉ ኣት መስፍን ሓጎስ።

ንሶም ወሲኾም "ካብ ህወሓት ናብ ህግሓኤ ሰራዊት ብምልኣኽ ንወፍሪ ቀይሕ ኮኸብ ብሓባር ዝተመከተሉ እዩ ነይሩ።እቲ ኣጋጣሚ ካኣ ናይ ብሓቂ ኣዎንታዊ ውፅኢት ነይርዎ" ይብሉ ካብ ሰልፊ ዴሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ መስፍን ሓጎስ።

ኣባል ጀብሃ ዝነበሩ ኣቶ ፍስሓፅዮን ገብረ ብወገኖም፣ጀብሃ ንካልኦት ውድባት ኢትዮዽያ ትሕግዝ ነይራ ዝብል ካብ ኣባላት ህወሓት ንዝላዓል ክሲ ሪኢቶኦም ተሓቲቶም ኣቶ ፍስሕፅዮን ክዛረቡ ከለው ንኣብነት ኣብ‘ቲ እውን ኢድዩ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ገዚፍ ሰራዊት ስለ ዝነበራ፣መርገፂኡ ብዘየግድስ ኣንፃር ደርጊ ክገጥም ኣለዎ ዝብል ሪኢቶ ጀብሃ ከምዝነበረ፣ካልእ ህወሓት ንኢህኣፓ ካብ ዓሌተና ከተውፅኦ ከላ ናብ ጀብሃ ዝቆፃፀሮ ከባቢ ዕቁባ ሓቲታ ስለዝተቀበልናያ፣ዘርዮምና ዘብል ትርጉም ብህወሓት ከምዝተታሓዘ ይገልፁ።

ኣብ ምሕቃቅ ጀብሃ፣ቀዳማይ ተሓታታይ ባዕላ ጀብሃ፣ቀፂሉ ህዝባዊ ግንባር ከምኡውን ህወሓት ተሓተቲ‘ዮም ይብሉ ኣቶ ፍስሓፅዮን።

XS
SM
MD
LG