ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በዓል ጥምቀት ንምጽንባል ምድላዋት ይጻፈፍ


ከተራ ኣብ ጎንደር
ከተራ ኣብ ጎንደር

ኣመንቲ ክርስትና ኢትዮጵያን ኤርትራን በዓል ጥምቀት ንምጽንባል ኣብ ምድላው ምህላዎምን ኣብ በበይኑ ወገናት ኢትዮጵያ ድማ ታቦት ዝወጸሉ ጽንብል 'ከተራ' ብሰላም ይካየድ ምህላዉን ወኪላት ድምጺ ኣመሪካ ከካብ ቦታኡ ጸብጺቦም ኣለው።

ኣብቲ ዓመታዊ ዓቢ ጽንብል ዝካየደሉ ከተማ ጎንደር፡ ምስቲ ዘሎ ጎንጺ ተኣሳሲሩ ኣብ ነጋድያን ሻቕሎት እኳ እንተጸንሐ፡ ክፍሊ ጸጥታ እቲ ከባቢ ግን እቲ ጽንብል ብሰላም ክሓልፍ ምድላዉ ኣጻፊፉ ምህላዉ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ጸብጺባ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ዝነበረ በዓል ከተራ ብሰላም ምክያዱ ወኪላትና ካብቲ ቦታ ኣመልኪቶም።

ኣብ ኣስመራ ዓመታዊ ጽንብል ጥምቀት ኣብ ናይ ኣስመራ ማይ-ጥምቀት ንምክያድ ኣብ ምድላው ከም ዘሎ ወኪልና ካብ ኣስመራ ሓቢሩ።

ኣብ ክልል ትግራይ ድማ ብደረጃ ክልል እቲ ወግዓዊ ጽንብል ጥምቀት ኣብ ዞባ ደቡብ ከተማ ማይጨው ንምክያድ ምድላዋት ኣብ ምጽፋፍ ከም ዘሎ ወኪልት ድምጺ ኣመሪካ ካብቲ ቦታ ጸብጺቦም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG