ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

በዓል ጥምቀት ብክብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ተኸቢሩ ውዒሉ


በዓል ጥምቀት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብክብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ተከቢሩ ውዒሉ'ሎ። ኣብ ከተማ ኣስመራ ብዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሲያዊት ቤተክርስትያን ኣቡነ ሉቃስ ዝተመርሓ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ምእመናን ዝተረኸብሉ ባሕረ ጥምቀት ተባሪኹ ናብ ህዝቢ ተነጺጉ።

ኣከባብራ በዓል ጥምቀት ኣብ ድሮ ጥምቀት ኣድባራት ከካብ ዘለውዎ ብለባስያን፣ ብመዘምራንን ህዝበ ክርስትያንን ተዓጂቦም ናብ ሓደ መጥምቐ ባሕሪ ይእከቡ፤ ኣብኡ ድማ ይሓድሩ::

ኣብ ዕለተ ጥምቀት ስርዓተ ጸሎትን ምስጋናን ተሰሚዑ ዝተባረኸ ማይ ተነጺጉ ረፋድ ምስኰነ ኣድባራት ብዘይካ ታቦተ ሚኪኤል ነናብ መረበቶም ይምለሱ:: ታቦተ ሚካኤል ክልተ ለይቲ ሓዲሩ ኣብ ጽባሕ ጥምቀት (ኣብ ቃና ዘገሊላ) እዩ ዝምለስ::

ኣብ ከተማ መቐለ ባሕረ ጥምቀት ኣብ ዝኽበረሉ ሰውሒ ንጉስ ብዛዕባ እንታይነት እቲ በዓል ኣመልኪቱ ንመንፈሳዊ መምህር፣ ንምእመናን ወፃእተኛታትን ብምሕታት ዝተዳለወ መሰናዶኦ ቀሪቡ’ሎ::

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

በዓል ጥምቀት ብክብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ተኸቢሩ ወዒሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:59 0:00

XS
SM
MD
LG