ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

 ኤርትራ: በዓል ጥምቀት ብድምቀት ተኸቢሩ


ብተኸተልቲ ሃይማኖት ክርስትና ዓቢ ቦታ ካብ ዝወሃቦ በዓላት ሓደ ዚኾነ በዓል ጥምቀት ሎሚ 19 ጥሪ ኣብ ኤርትራ ብድምቀት ተኸቢሩ።

ኣብቲ ኣብ ኣስመራ ማይ ጥምቀት ዝተኻየደ ጽንብል ካብ ውሽጥን ወጻኢን ዝመጽኡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስባት ዝተሳተፍ ክኾኑ ኸለው: እቲ ስነ ስርዓት ብብጹእ ኣቡነ ሉቃስ ሊቃውንትን ቅዳሰን መንፈሳዊ ጸሎትን ድሕሪ ምዕራጉ ፡ብመሪጌታ ስምኦን ንኣመጻጽኣን ኣበዓዕላን ጥምቀት ዝምልኵት ስብከትን ኣስተምህሮን ተዋሂቡን ዝተፈላለዩ መንፈሳዊ መዛሙርን ቀሪቡ።

ብድሕሪ’ዚ ብመሪሕነት ብጹእ ኣቡን ሉቃስ፡ጳጳሳትን ሊቃውንትን ባሕረ-ጥምቀት ተባሪኹ ንህዝቢ ተነጺጉን።ኣብ መወዳእታ ቡራኬ ድሕሪ ምሃብ ታቦታት ብምእመናን ተሰኒዮም ነናብ ደብሮም ተመሊሶም።

ተቐማጦ ኣስመራ “በዓል መስቀል ባህላውን መንፈሳውን ትሕዝትኡ ዓቂቡ ይበዓል ኣሎ” ክብሉ’ ውን ገሊጾም።

ኣስመራ ኣብ ዓለማዊ መዝገብ ውርሻ ድሕሪ ምእታዋ ፡ ንከተማ ኣስመራን ካልኦት ታሪኻውያን ቦታታትን ንምርኣይ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝመጽኡ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ብወገኖም ከምዚ ዓይነትን በዓል ንመጀመርያ ግዚኦም ክሪኡ ብምብቕዖም ከምዝተሓጎሱ ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኤርትራ: በዓል ጥምቀት ብድምቀት ተኸቢሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:42 0:00

XS
SM
MD
LG