ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ኢትዮጵያ ከይኣትዉ ዝተኸልከሉ ኣቡነ ጴጥሮስ ናብ ኣመሪካ ተመሊሶም


ኣቡነ ጴጥሮስ - ፋይል
ኣቡነ ጴጥሮስ - ፋይል

ናብ ኢትዮጵያ ከይኣትው ዝተኸልከሉ ዋና ፀሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ኣቡነ ጴጥሮስ ናብ ኣመሪካ ተመሊሶም።

ኣቡነ ጴጥሮስ ድሕሪ ኣብ ኣመሪካ ዝነበሮም ፃንሒት ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ተመለሱ ኣብ ዓለምለኸ መዕረፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዝበጽሕሉ ከይኣትው ምኽልካሎም ገሊፆም።

ንሶም ምስ ቴሌቪዥን ማህበረ ቅዱሳን ኣብ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ናብ ኣመሪካ ክምለሱ ከምዝተገደዱ ብምሕባር "ሓፊረ ተመሊሰ፤ ናብ ዝመፃእኹሉ ናብ ኣመሪካ መሊሶምኒ’’ ኢሎም።

ካብ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ መብርሂ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን።

ኣቡነ ጴጥሮስ ድሕሪ ነዊሕ ናይ ስደት ዓመታት ቀዳማይ ሚንስተር ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምፅኦም ናብ ኢትዮጵያ ዝተመለሱ ብዜግነት ግን ኣመሪካዊ ምዃኖም ይፍለጥ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG