ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኬንያ፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰዓብቲ ሓደ ሃይማኖት ናብ 200 ክብ ምባሉ ፖሊስ ሓቢሩ


ኣብ ኬንያ ቁጽሪ ምስ ሃይማኖታዊ እምነት ተኣሳሲሩ መግቢ ድሕሪ ምሕሳሶም ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 200 ከምዝበፅሑን ልዕሊ 600 ድማ ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥን ፀብፃብ ኣሶሴይትድ ፕረስ ገሊፁ።

ፖሊስ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ብጥምየት ከምዝሞቱ ምልክትታት ዘለዎም ተወሳኽቲ 22 ሬሳ ከምዝረኸበን ምስዚ ጉዳይ ሃይማኖታዊ እምነት ተታሓሒዙ ብሰንኪ ጥምየት ዝሞቱ ሰባት ቁጽሮም 201 ምብጽሑ ገሊጹ'ሎ።

መራሒ'ቲ ነዚ ፍጻመ ዝደረኸ ሃይማኖታዊ ጉጅለ ፖል መከንዚ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቐይዲ ዝወዓለ ኮይኑ ፖሊስ ምስ ግብረ ሽበራ ዝተኣሳሰር ክሲ ንምምስራት መደብ ከምዘለዎ ሓቢሩ'ሎ።

ኪሊፊ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ገምግም ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ኣስታት 324 ሄክታር መሬት ዓሰርተታት መቓብራትን ብኣማኢት ዝቑጸር ሬሳታት ተረኺቡ ኣሎ።

መከንዚ፣ በዓልቲ ቤቱን ካልኦት 16 ተጠርጠርትን ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ እዮም።

XS
SM
MD
LG