ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምትሕብባር ጀርመናዊ ማሕበርን መንግስቲ ኤርትራን ዝተሃንጸ ሕክምና እዝኒ፡ኣፍንጫን ጎረሮን ተመሪቑ


ኤርትራ ብምትሕብባር መድኬር ዝተባህለ ጀርመናዊ ማሕበርን መንግስቲ ኤርትራን ዝተሃንጸ ሕክምና እዝኒ፡ኣፍንጫን ጎረሮን ተመሪቑ።

ብምትሕብባር መድኬር ዝተባህለ ጀርመናዊ ናይ ምትሕግጋዝ ማሕበርን መንግስቲ ኤርትራን ብ1.5 ሚልየን ዩሮ ዘተሃንጸ ማእከል ሕክምና እዝኒ፡ኣፍንጫን ጎረሮን ተወዲኡ ዘድሊ መሳርሒታት ተተኺሉሉ ኣገልግሎት ክህብ ከምዝጀመረ ሓላፊ ናይ'ቲ ሕክምና ዶክተር ስሞኦን ሃይለ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ።

"ምስፋሕ ናይቲ ህንጻን ምትካል ናይ ምዕቡላትን ዘመናዊ መሳለጥያታትን ኣብ ርእስ'ቲ ኣብ ስራሕ ዝህቦ ኣሳልጦ፡ምስ ጀርመናውያን ሓካይም ኣብ ዝግበር ምልውወጥ ተመኩሮ ዓቢ ተራ ኣለዎ" ይብል ዶ/ር ስሞኦን።

ሲስተር ገነት ብጊደኣ ምትካል ኤኣርቪ መመርመሪ መሳርሒ ነቲ ኣብ ቆልዑ ዘጋጥም ጸገም ናይ ምስማዕን ምዝራብን ክእለት ክፈትሕ ከምዝኾነ ኣረዲኣ።

ሆስፒታል እዝኒ፡ኣፍንጫን ጎረሮን መደቅሲ ክፍልታት፡ንቅድሚ መጥባሕትን ድሕሪ መጥባሕትን ዘገልግሉ ክፍልታት፡ ሲቲ ስካንን ካልእ መሳለጥያታትን ተተኺሉሉ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ይርከብ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG