ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓሪስ፤ ንኣሉታዊ ኣድልዎ ዓሌት ሰም ዝቃወም ሰልፊ ተኻዪዱ


ፓሪስ፤ ንኣሉታዊ ኣድልዎ ዓሌት ሰም ዝቃወም ሰልፊ
ፓሪስ፤ ንኣሉታዊ ኣድልዎ ዓሌት ሰም ዝቃወም ሰልፊ

ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ፓሪስ፡ ኣንጻር ሴማዊ ዓሌት ይርአ ኣሎ ንዝበሉዎ ኣድልዎ ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ትማሊ ሰንበት ኣካዪዶም።

ኣብቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ንዅላቶም ልፍንቲ ጸጋማውያን ወኪላ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ኤልሳቤት ቦርን ክትሳተፍ እንከላ፡ ካብ የማናይ ወገን ድማ ማሪን ለፐን ምንባራ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ። ፕረዚደንት ኢማኑወል ማክሮን፡ ኣብቲ ሰልፊ ብኣካላ ኣይተሳተፈን፡ ድጋፉ ግን ብርሑቕ ገሊጹ።

እንተዀነ ካብ ርሑቕ የማናይ ወገን ነቲ ሰልፊ፡ “ኣንጻር ሲቪላዊ ህዝቢ ኣብ ቓዛ ንዝግበር ዘሎ ግፍዒ ምድጋፍ’ዩ፡” ብምባል ተቓዊሞም።

ፈረንሳ ካብ ምሉእ ኤውሮጳ ዝበዝሑ ተኸተልቲ እምነት ኣይሁድ ዘለዋ ሃገር ከም ምዃና፡ ጸረ-ሴማዊ ምንቅስቓሳት ዝውቱር ምዃኑ ይሕበር።

ግጭት እስራኤል-ሓማስ ካብ ዝጅምር ንነጀው ልዕሊ 1247 ተርእዮታት ኣንጻር ዘርኢ-ሴማውነት ከም ዘጋጠመ ፖሊስ ፈረንሳ የመልክቱ።

ኣብ በበይኑ ቦታታት ፈረንሳ ብተናጸልን ንኣሽቱ ሰላማዊ ሰልፍታት ይካየድ ምህላዉ ዝሓበረ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ፡ ፈረንሳ ብሓፈሻ ንፍልስጤም ዝድግፍ ሰለማዊ ሰልፊ ከልኪላ ኣላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG