ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስለ ዝኽሪ ኢንጂነር ስመኘው በቀለ፣ ኣካያዲ ስራሕ ህንጸት ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮጵያ


ኢንጂነር ስመኘው በቀለ
ኢንጂነር ስመኘው በቀለ

ካብ ዝተጀመረሉ ዕለት ኣትሒዙ ንህንጸት ግድብ ዓብዪ ህዳሴ ኢትዮጵያ ዘፈጽሙ ዝነበሩ ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ኣብ ሕምብርቲ ኣዲሳበባ ትማሊ ንጉሆ ኣብ መኪናኦም ሞይቶም ከምዝተረኸቡ ዝዝከር'ዩ።

ፖሊስ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ስመኘው ኣብ ጸጋማይ ጉንዲ እዝኖም ብጥይት ተወቒዖም ከምዝዓረፉን መስርሕ ምጽራይን ምርመራን ቀጺሉ ከምዘሎን ኣፍሊጡ'ዩ። ከምኡውን ውጽኢት ምርመራ ኣብ ሓጺር እዋን ናብ ህዝቢ ንምግላጽ ከምዝወጠነ ሓቢሩ'ሎ።

ንሎሚ ቅድሚ ኣስታት ሰለስተ ዓመት ምስ ኢንጂነር ስመኘው በቀለ ዝገበርናዮ ቃለ ምልልስ ምልስ ኢልና ክነስመዐኩም። ንዝሓዘኑ ስድራ ቤት፣ ቤተ-ሰብን ዝፈልጥዎምን ጽንዓት ይሃብ ንብል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:09:10 0:00

XS
SM
MD
LG