ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮሚሽን ሰ/መሰላት ኢትዮጵያ ምስዋር ሰባት ዝምልከት ጥርዓናት ይበጽሖ ምህላው ኣፍሊጡ


ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ዋና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ ዝረኣ ምስዋር ሰባት ዝምልከት ጥርዓናት ሕብረተሰብ ይበፅሖ ከምዘሎ ገሊፁ።

ኣብቲ ኮሚሽን ዳይሬክተር ክፍሊ ምክትታልን ምርመራን ሰብኣዊ መሰላት ሰላማዊት ግርማይ ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብኦ መብርሂ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ እቲ ኮሚሽን ካብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ 11 ናይ ኣስገዳድ መስወርቲ ጥርዓናት ከምዝበፅሖ ሓቢራ።

እቲ ኮሚሽን ብዘካየዶ ክትትልን ምስ ፖሊስ ብዝተገበረ ዝርርብ ዝተወሰኑ ሰባት ምርካብ እንተተኽኣለ እውን ዘለውዎ ቦታ ዘይፍለጥ ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዘለው ገሊፃ ኣላ።

እቲ ኮሚሽን ግዳያት ብቐጥታ ካብ ዘጋጥሞም ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ብተወሳኺ ኣብ ስድራ እውን ብዙሕ ጉድኣት የውርድ ከምዘሎ ብምግላጽ እቲ ተግባር ብቕልጡፍ ደው ክብል ጸዊዑ።

እቲ ኮሚሽን ዘቕረቦ ውፅኢት ምርመራ ብዝምልከት ካብ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን ፌደራል መንግስትን ፌደራል ፖሊስን መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይተዓወተን ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG