ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕነት ካብ ማእሰርቲ ዘይተፈትሑ ኣባላት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከምዘተሓሳሰቦም ስድራቤቶም ገሊጾም


ፋይል - ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ
ፋይል - ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ

ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዘይተፈትሑ ምሩኻት ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ድሕነቶም ከም ዘተሓሳሰቦም ኣባላት ስድራቤቶም ገሊፆም።

ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ቀረባ 212 ምሩኻት ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ምፍትሑን እቶም ዝተረፉ ድማ "ኣብ ሓፂር እዋን’’ መፍትሒ ከምዝረክብን ገሊፁ ነይሩ።

ጉባኤ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመጉ) ብወገኑ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብህፁፅ ዝፍትሕሉ ኩነታት ከመዓራረይ ሓቲቱ ኣሎ።

ኣብቲ ክልል ተኣሲሮም ዝርከቡ ኣባላት ምክልኻል ኢትዮጵያ ክንደይ ምዃኖም ብግልፂ ኣይፍለጥን።

ካብ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ መልሲ ንምርካብ ዝተገበረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG