ኣዲስ ኣበባ —
ሃገራዊ ኮሚሽን ልዝብ ኢትዮጵያ፡ ኩሎም ኣብታ ሃገር ዘለዉ ዕጡቓት ጉጅለታት፡ ናብቲ ዝመጽእ ሃገራዊ ልዝብ ኣገዳሲ ዝበልዎ ሃገራዊ ኣጀንዳታቶም ከቕርቡ ጸዊዑ።
እቲ ኮሚሽን ሎሚ 9 ሕዳር 2023 ንፓርላማ ኣብ ዘቕረቦ ናይ ርብዒ ዓመት ጸብጻቡ፡ ሓላፊ`ቲ ኮሚሽን ዶ/ር መስፍን ኣርኣያ፡ ኣብ መግለጺኡ፡ ዕጥቃዊ ግጭታት ከብቅዕን ሰለማዊ ፍታሕ ክናደየሉን እቲ ፓርላማ ንካቢነ ጸቕጢ ክገብር ኣተሓሳሲቡ።
ንሶም ቀጺሎም“ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዝቐጸለ ዕጥቃዊ ግጭታት እቲ ኮሚሽን ስርሑ ከይሰርሕ ዕንቅፋት ኮይንዎ`ሎ” ኢሎም።
ቅጥዒ