ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኢመነት”ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ናይ ሕክምና መሳርሕታት ናብ ኤርትራ ከምዝለኣኸ ኣፍሊጡ


“ኢመነት” ዝተባህለ ኣሜሪካዊ ዘይመኽሰባዊ ማሕበር፡ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ናይ ሕክምና መሳርሕታት ናብ ኤርትራ ከምዝለኣኸ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ከተማ ሲያትል ክፍለ-ግዝኣት ዋሺንግተን ዝመደበሩ ማሕበር፡ ቅድሚ ሎሚ`ውን ክልተ ጊዜ ናብ ኤርትራ ዝተፈላለዩ ናይ ሕክምና መሳርሕታትን መድሃኒታትን ከምዝለኣኸ ይገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ዝተላእከ ኮንተይነር ግን፡ ካብ ዝሓለፈ ዝበዝሐን፡ $655,000 ዝግመት ዓራውቲ ፡ ናይ ምርመራን ካልእን መሳርሕታት ዘጠቓልል ምንባሩ ተገሊጹ`ሎ።

ካብ መንጎ መስረቲ`ቲ ማሕበር ዶ/ር ዮርዳኖስ ካሕሳይ ብዛዕባ ንጥፈታት`ቲ ማሕበር ዝምልከት ዝተኻየደ ቃለ-መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG