ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሃገረ ዮርዳኖስ ዝርከብ ኤምባሲ እስራኤል ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ክልተ ሰባት ምሟቶም ተገሊጹ


 አቦ ሓደ ካብቲ ኣብቲ መጥቓዕቲ ዝሞቱ
አቦ ሓደ ካብቲ ኣብቲ መጥቓዕቲ ዝሞቱ

እቲ መጥቓዕቲ ዘጋጠመ እስራኤላዊ ሓለዋ ጸጥታ ኣብቲ ኤምባሲ ንስራሕ ዝመጹ ዜጋታት ዮርዳኖስ መጥቓዕቲ ክፍጽሙ ኣብ ዝፈተንሉ ብዝተኾሶ ጥይት እቶም ክልተ ሰባት ምሟቶም ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት እስራኤል ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም።

ሰበ ስልጣን ዮርዳኖስ ብወገኖም ነቲ ፍጻመ ዝምልከት ምርመራ ይካየድ ምህላው ሓቢሮም ኣለው።

እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ምብራቓዊ ከተማ የሩሳሌም ዝርከብ ብኣመንቲ እስልምና ቅዱስ ተባሂሉ ዝእመንሉ ቦታ ሓጺን ዘለልይ መሳርሒ ድሕሪ ምትኻላ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ወጥሪ ምፍጣሩ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG