ዋሽንግተን —
ብሙዚቃ ፒያኖ ዓለማዊ ህቡብነት ዘጥረያ ኢትዮጵያዊት ፈላሲት እማሆይ ጽጌማርያም ገብሩ ኣብ መበል 99 ዓመተን ኣብ የሩሳሌም ዓሪፈን።
ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ተወሊደን ብንእሽቶአን ንትምህርቲ ናብ ስዊዘርላንድ ዝተሰደዳ እማሆይ ጽጌርማርያም፡ ቫዮሊንን ፒያኖን ይጻወታ ነይረን። ብመሰረት ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ድሕሪ ሞት ኣደአን ካብ 1984 ኣትሒዘን ድማ ናብ የሩሳለም ከይደን መንፈሳዊ ህይወት ይመርሓ ነይረን።
እማሆይ ጽጌማርያም ልዕሊ 150 ዝዀኑ መበቆላውያን ሙዚቃ፡ ብፒያኖ ዝሰርሓ ኰይነን፡ ስራሕተን ኣብ በበይኑ ዓበይቲ መድረኻት ቀሪቡ’ዩ።